bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 39
Psalms 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብኣንደበተይ ከይስሕት ንመንገደይ ክሕሉ እየ፤ ሓጢኣተኛ ኣብ ቅድመይ እንትቃወመኒ፥ ኣብ ኣፈይ ሓላዊ ኸንብር እየ በልኩ።
2
ስቕ ካብ ምባል ዝተልዓለ ኸም በሃም ኮንኩ፤ ንፅቡቕ ነገርኳ ስቕ በልኩ፤ ቍስለይውን ተሓደሰኒ።
3
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሞቐኒ፤ ካብ ምስትንታነይ ዝተልዓለ ኸዓ ሓዊ ነደደ፤ ብኣንደበተይውን ተዛረብኩ፦
4
“ኦ ጐይታ፥ መወዳእታይ ኣፍልጠኒ፤ ፍፃመይን ቍፅሪ መዋእለይን ክንደይ ምዃኑ ኣፍልጠኒ” ድማ በልኩ።
5
እንሆ፥ ንዘመናተይ ኣእረግካየን፤ ኣካለይውን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኢምንት እዩ፤ ኵሉ ህያው ዝኾነ ሰብ ብሓቂ ኸንቱ ጥራሕ እዩ።
6
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
7
ሕዚኸ፥ ተስፋይ መን እዩ? እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን? ትዕግስተይውን ካባኻ እዩ።
8
ካብ ኵሉ ሓጢኣተይ ኣናግፈኒ፤ መላገፂ ሰነፋት ኣይትግበረኒ።
9
ንስኻ ሰሪሕካኒ ኢኻሞ፥ ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን።
10
መቕሰፍትኻ ኻባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ሓይሊ ኢድካ ዝተልዓለ ተወዲአ ኣለኹሞ።
11
ንሰብ ስለ ሓጢኣቱ ብተግሳፅካ ዘለፍካዮ፤ ነፍሱ ድማ ኸም ዓለባ ሳሬት ትሃልቅ፤ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ።
12
ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥ ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤ ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።
13
ናብ ዘይምለሰሉ እንተይኸድኩ ኽዓርፍ ሕደገኒ።
← Chapter 38
Chapter 40 →