bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 41
Psalms 41
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንድኻን ንምስኪንን ዝሓሊ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመዓልቲ መከራ የድሕኖ።
2
እግዚኣብሄር ክሕልዎን ህያው ክገብሮን እዩ፤ ንሱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝምስገን ይገብሮ፤ ናብ ኢድ ፀላእቱውን ኣሕሊፉ ኣይህቦን።
3
እግዚኣብሄር ኣብ ዓራት ሕማሙ እንተሎ ይረድኦ፤ ኣብ ጊዜ ሕማሙ፥ ንዅሉ መደቀሲኡ የንፅፈሉ።
4
ኣነስ፦ “ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ንኣኻ በዲለ እየሞ ንነፍሰይ ፈውሳ” በልኩ።
5
ፀላእተይ “መኣዝ እዩ ዝመውት? መኣዝከ እዩ ስሙ ዝሰዓር?” እናበሉ፥ ኣባይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።
6
ሓደ ንኣይ ንምርኣይ እንተ ኣተወ ኸንቱ ይዛረብ፤ ኣብ ልቡ ሓጢኣት ይእክብ፤ ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ይናገር።
7
ኣብ ልዕለይ ብምትሕብባር፥ ኵሎም ፀላእተይ ንስንሳቶም የሕሸዅሽኹ ኣለዉ፤ ኣብ ልዕለይውን ክፋእ ይሓስቡ ኣለዉ።
8
“ክፉእ ነገር መፆ፤ ደቂሱ ኣሎ፤ ደጊም ኣይትስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።
9
እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።
10
ንስኻ ግና ኦ ጐይታ፥ መሃረኒ፤ ምእንቲ ኽምልሰሎምውን ኣተስአኒ።
11
ፀላእየይ ዕልል ኣይብለለይን እዩሞ፥ ስለዙይ ንስኻ ኸም ዝፈተኻኒ ፈለጥኩ።
12
ንኣይ ግና ስለ ቕንዕናይ ተቐበልካኒ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ንዘለኣለም ኣፅናዕኻኒ።
13
ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።
← Chapter 40
Chapter 42 →