bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 38
Psalms 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
2
ፍላፃታትካ ወጊአናኒ እየንሞ፤ ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ።
3
ካብ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፤ ካብ ሓጢኣተይ ዝተልዓለውን ነዕፅምተይ ሰላም የብሎምን።
4
ሓጢኣተይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ከም ከቢድ ሸኽሚውን ኣብ ልዕለይ የመና ኸቢዱኒ እዩ።
5
ብሰንኪ ስንፍናይ፥ ቍስለይ በስበሰ፤ ሸተተውን።
6
እምብዛ ዓበርኩ፤ ተዋረድኩውን፤ ኵልሻዕ ብትካዘ እመላለስ ኣለኹ።
7
ነፍሰይ ብፀርፊ መሊኣ እያሞ፤ ንስጋይውን ጥዕና የብሉንሞ።
8
ኣነ ሰንሰንኩ፤ እምብዛውን ተሸገርኩ፤ ካብ ሓዘን ልበይ ዝተልዓለ እግዕር ኣለኹ።
9
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፤ እህህታይውን ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
10
ልበይ ደንገፀኒ፤ ሓይለይውን ጠለመኒ፤ ብርሃን ኣዒንተይ ፈዘዘ።
11
ካብ ቍስለይ ዝተልዓለ፥ ፈተውተይን ኣዕርኽተይን ካብ ቍስለይ ይርሕቁ፤ ኣዝማደይውን ርሒቖም ቆሙ።
12
እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ በርትዑኒ፥ እቶም መከራይ ዝደልዩ፥ ከንቱ ተናገሩ፤ ኵልሻዕውን ብጥበራ ይመኽሩለይ ኣለዉ።
13
ኣነ ግና ኸም ዘይሰምዕ ፀማም፥ ኣፉ ኸም ዘይኸፍት በሃም ኮንኩ።
14
እወ፥ ከም ዘይሰምዕ ሰብ፥ ብኣፉውን ክናገር ከም ዘይኽእል ሰብ ኮንኩ።
15
ኦ ጐይታ፥ ብኣኻ እእመን ኣለኹሞ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ትሰምዐኒ ኢኻ።
16
ፀላእተይ ብኣይ ደስ ከይብሎም ኢለ ኣለኹሞ፥ እግረይ ሰንከልከል እንተበለውን ርእሶም ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል ከብሉ እዮም።
17
ኣነስ ንምሕንካስ ቀሪበ እየሞ፥ ቍስለይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ።
18
በደለይ እናዘዝ ኣለኹ፤ ብሓጢኣተይውን እጕሂ ኣለኹ።
19
ፀላእተይ ህያዋን እዮም፤ ይብርትዑኒውን እዮም፤ ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ ብዙሓት እዮም።
20
ንፅድቂ ስለ ዝተኸተልኩ፥ ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ።
21
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣይትደርብየኒ፤ ኣምላኸይ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።
22
ኦ መድሓኒየይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።
← Chapter 37
Chapter 39 →