bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 37
Psalms 37
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ፤ በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ።
2
ንሳቶም ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ክነቕፁ፥ ከም ልምሉም ቘፅሊውን ክረግፉ እዮም እሞ።
3
ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
4
ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልካ፤ ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ።
5
መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤ ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
6
ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።
7
ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
8
ካብ ቍጥዓ ረሓቕ፤ መዓትውን ሕደግ፤ ከይትብድል ኣይትቕናእ።
9
ገበርቲ እከይ ክጠፍኡ እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ዝገብሩ ግና፥ ንሳቶም ንምድሪ ኽወርሱ እዮም።
10
ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽፉእ ሰብ ኣይህሉን፤ ትደልዮ፤ ቦታኡውን ኣይትረኽቦን።
11
ለዋሃት ግና ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤ ብብዙሕ ሰላም ድማ ደስ ይብሎም።
12
ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ይፍሕሰሉ፤ ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም።
13
እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
14
ሓጢኣተኛታት ንድኻታትን ንፅጉማትን ከውድቑ፥ ነቶም ቅኑዓት ልቢውን ክወግኡ፥ ሰይፎም መዘዙ፤ ቀስቶምውን ገተሩ።
15
ሰይፎም ናብ ልቦም ይእቶ፤ ቀስቶምውን ይሰበር።
16
ካብ ብዙሕ ሃብቲ ሓጢኣተኛታት፥ ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ።
17
ሓይሊ ኽፉኣት ክትስበር እያ፤ ንፃድቃን ግና እግዚኣብሄር ክድግፎም እዩ።
18
እግዚኣብሄር ንመንገዲ ንፁሃን ይፈልጥ፤ ርስቶምውን ንዘለኣለም እዩ።
19
ብኽፉእ ዘመን ኣየሓፍሩን እዮም፤ ብዘመን ጥሜትውን ክፀግቡ እዮም።
20
ሓጢኣተኛታት ግና ኽጠፍኡ እዮም፤ ፀላእቲ እግዚኣብሄር ብዝኸበሩን ልዕል ልዕል ብዝበሉን ከም ትኪ ይጠፍኡ።
21
ሓጢኣተኛ ሰብ ተለቂሑ ኣይመልስን እዩ፤ ፃድቕ ሰብ ግና ይርህርህ፤ ይህብውን።
22
እቶም ንእግዚኣብሄር ዝባርኹ፥ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤ እቶም ዝረግምዎ ግና ኽጠፍኡ እዮም።
23
ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ።
24
እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
25
ጐበዝኩ፤ ኣረግኩውን፤ ፃድቅ እንትድርበ፥ ዘርኡውን እንጀራ እንትልምን ኣይረአኹን።
26
ኵልሻዕውን ይርህርህን የለቅሕን፤ ዘርኡ ድማ ብበረኸት ይነብር።
27
ካብ ክፉእ ህደም፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤ ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ።
28
እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥ ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ይሕልዎም፤ ንንፁሃን ከዓ ይብቀለሎም፤ ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
29
ፃድቃን ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤ ኣብኣውን ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።
30
ኣፍ ፃድቅ፥ ጥበብ የምህር፤ ኣንደበቱውን ፍትሒ ይናገር።
31
ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ውሽጢ ልቡ እዩ፤ በካይዳኡውን ኣይሰናኸልን።
32
ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤ ክቐትሎውን ይደሊ።
33
እግዚኣብሄር ግና ኣብ ኢዱ ኣየሓድጎን እዩ፤ ምስተፋረዶውን ኣየሸንፎን።
34
ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ መንገዱውን ሓሉ፤ ንምድሪ ምእንቲ ኽትወርስ ልዕል ልዕል ከብለካ እዩ፤ ሓጢኣተኛታትውን ክጠፍኡ እንተለዉ ኽትርኢ ኢኻ።
35
ሓጥእ ልዕል ልዕል ኢሉ፥ ከም ዝግባ ሊባኖስውን ለምሊሙ ረአኽዎ፤
36
ምልስ እንተ በልኩ ግና፥ ሰኣንክዎ፤ ደለኹዎ፤ ቦታኡውን ኣይረኸብኩን።
37
ንቕንዕና ሓሉ፤ ንፅድቂውን ረአ፤ ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ።
38
በደለኛታት ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ናይ ሓጢኣተኛታት ተረፍውን ክጠፍኡ እዮም።
39
ድሕነት ፃድቃን ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ።
40
እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን እዩ፤ ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታትውን የውፅኦም፤ ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ።
← Chapter 36
Chapter 38 →