bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 36
Psalms 36
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓጢኣተኛ ንባዕሉ፥ ዘስሕት ነገር ይናገር፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።
2
ብመልሓሱ ጠቢሩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣቱ ምስ ረኸበቶ ይፀልኣ።
3
ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።
4
ኣብ ምድቃሱ ጠዋይ ነገር ሓሰበ፤ ቅንዕቲ ብዘይኮነት መንገዲ ቖመ፤ ንኽፍኣትውን ኣይንዕቓን።
5
ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት ይበፅሕ።
6
ፅድቅኻ ኸም እምባታት እግዚኣብሄር እዩ፤ ፍርድኻውን እምብዛ ዓሚቝ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሰብን ንእንስሳን እተድሕኖም ንስኻ ኢኻ።
7
ኦ ጐይታ፥ ንምሕረትካ ኽንደይ ኣብዛሕኻ! ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍካ ይእመኑ።
8
ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤ ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም።
9
ናይ ህይወት ፍልፍል ካባኻ እዩሞ፥ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ።
10
ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈልጡኻ፥ ንፅድቅኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ቕኑዓት ልቢ ዘርግሕ።
11
እግሪ ዕቡይ ኣይምፅአኒ፤ ኢድ ሓጢኣተኛውን ኣይትሓውኸኒ።
12
ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ኣብኡ ወደቑ፤ ወዲቖም እዮም፤ ክቖሙውን ኣይኽእሉን።
← Chapter 35
Chapter 37 →