bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 35
Psalms 35
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤ ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም።
2
ዋልታን ኲናትን ሓዝ፤ ንኣይ ንምርዳእውን ተልዓል።
3
ሰይፍኻ ምዘዝ፤ ነቶም ዘሳጕጉኒ መንገዶም ዕፆ፤ ንነፍሰይውን “መድሓኒኺ ኣነ እየ” በላ።
4
ንነፍሰይ ዝደልዩ ዅሎም ይሕፈሩን ይዋረዱን፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ክፍኣት ዝሓስቡ ይሕፈሩ፤ ንድሕሪኣቶምውን ይመለሱ።
5
ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ በነንታ ይኹኑ፤ መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም።
6
መንገዶም ፀልማትን መንደልሃፅን ይኹን፤ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ የሳጕጎም።
7
ብኸንቱ ኸጥፍኡኒ መፈንጠሮም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ እዮም እሞ፥ ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ።
8
ዘይፈልጥዎ መፈንጠር ይምፅኣዮም፤ እቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ይሓዞም፤ ናብቲ ውሽጢ መፈንጠርውን ይውደቑ።
9
ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ደስ ይብላ፤ ብምድሓኑውን ትሕጐስ።
10
ኵሎም ኣዕፅምተይ ከምዙይ ይብሉኻ፦ “ኦ ጐይታ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ? ንስኻ ነቲ ድኻ ኻብ ኢድ ዝኸትሮ፤ ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።”
11
መሰኻኽር ዓመፃ ተልዓሉኒ፤ ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ።
12
ክንዲ ሰናይ ክፉእ ፈደዩኒ፤ ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ።
13
ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤ ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤ ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።
14
ንፈታውየይን ንሓወይን ከም ዝገብሮ ገበርኩ፤ ንኖኡ ኸም ዝበኪውን ርእሰይ ትሕት ትሕት ኣበልኩ።
15
ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ደስ ድማ በሎም፤ ግፍዐኛታት ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን፤ ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን።
16
ፈተኑኒ ብስሓቕውን ሓጨጩለይ፤ ኣስናኖምውን ኣብ ልዕለይ ሓርቀሙለይ።
17
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሪአለይ? ንነፍሰይ ካብ ክፉእ ስራሖም፥ ንብሕትነተይውን ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።
18
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ዓብዪ ጉባኤ ኽግዝአልካ እየ፤ ኣብ ማእኸል ብዙሕ ህዝቢ እውን ከመስግነካ እየ።
19
እቶም ብግፍዒ ዝፀልኡኒ ኣብ ልዕለይ ደስ ኣይበሎም፤ እቶም ብኸንቱ ዝፃልኡኒውን በዒንቶም ኣይጠቓቐሱለይ።
20
ንኣይስ ሰላም እዮም ዝናገሩኒሞ፤ ብቝጥዓ ድማ ጥበራ ይመኽሩ።
21
ኣፎም ኣብ ልዕለይ ሃህ ኣበሉ፤ “እሰይ፥ እሰይ፥ እንኳዕ ብዓይንና ረአናዮ” ይብሉ ኣለዉ።
22
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ረአኻዮ፤ ስቕውን ኣይትበል፤ ኦ ጐይታ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።
23
ኦ ኣምላኸይን ጐይታይን፥ ናብ ፍርደይ ተልዓል፤ ኦ ጐይታ፥ ናብ ፍርደይ ፅን በል።
24
ኦ ኣምላኸይ፥ ከም ፅድቅኻ ፍረደለይ፤ ፀላእተይውን ብኣይ ኣይተሓጐሱ።
25
ብልቦም “እሰይ፥ እሰይ እንቋዕ ንነፍስና ደስ በላ” ኣይበሉ፤ “እንኳዕ ወሓጥናዮ” እውን ኣይበሉ።
26
እቶም ብመከራይ ዝሕጐሱ፥ ብሓባር ይዋረዱ፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ፥ ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ።
27
እቶም ንፅድቀይ ዝፈትውዋ ደስ ይበሎም፤ ይተሓጐሱውን፤ ኵልሻዕውን “ሰላም ባርያኡ ዝደሊ፥ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ እዩ” ይበሉ።
28
ኣንደበተይ ንፅድቅኻ፥ ኵልሻዕውን ንምስጋናኻ ይናገር።
← Chapter 34
Chapter 36 →