bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 34
Psalms 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
2
ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር፤ ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ።
3
ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
4
ንእግዚኣብሄር ደለኹዎ፤ ንሱውን መለሰለይ፤ ካብ ኵሉ መከራይውን ኣድሓነኒ።
5
ናብኡ ቕረቡ፤ ከብርሀልኩም እዩ፤ ገፅኩምውን ኣይሓፍርን።
6
እዝ ምስኪን እዙይ ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ፤ ካብ ኵሉ መከራኡውን ኣድሓኖ።
7
መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤ ንሱውን የናግፎም።
8
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
9
እቶም ዝፈርሕዎ ዝኾነ ኣይስእኑን እዮም እሞ፥ ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ።
10
ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።
11
ደቀይ፥ ንዑ ስምዑኒ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄር ክምህረኩም እየ።
12
ንህይወት ዝፈቱ፥ ሰናይ መዓልቲታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን እዩ?
13
እምበኣር ኣንደበትካ ኻብ ክፉእ ሓሉ፤ ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ።
14
ካብ ክፉእ ረሓቕ፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤ ንሰላም ድለያ፤ ሰዓባውን።
15
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን፥ እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ።
16
ዝኽሮም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍእ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ገበርቲ ኽፉእ እዩ።
17
ፃድቃን ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም።
18
እግዚኣብሄር ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ቐረባኦም እዩ፤ ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም።
19
ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።
20
እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣዕፅምቶም ይሕሉ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይስበርን።
21
ንሓጢኣተኛታት ክፍኣት ይቐትሎም፤ ንፃድቃን ዝፀልኡ ኸዓ ኽናስሑ እዮም።
22
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይቢዘው፤ ኵሎም ብእኡ ዝኣምኑ ኣይናስሑን።
← Chapter 33
Chapter 35 →