bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 33
Psalms 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤ ንቕኑዓት ምስጋና ይግብኦም እዩ።
2
ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።
3
ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፤ ብዕልልታውን ሰናይ መዝሙር ዘምሩ።
4
ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስራሑውን ብእምነት እዩ።
5
ፅድቅን ፍትሕን ይፈቱ፤ ሕያዋይነት እግዚኣብሄርውን ንምድሪ መልኦ።
6
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
7
ንማያት ባሕሪ ኸም ሓርቢ ኣብ ሓደ ይእክቦ፤ ንቓላያትውን ኣብ መዛግብቲ የንብሮም።
8
ምድሪ ብምልእታ ንእግዚኣብሄር ትፍርሓዮ፤ ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ካብኡ ዝተልዓለ ይደንግፁ።
9
ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።
10
እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፤ ንሓሳባት ኣህዛብውን የፍርሶ።
11
ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
12
እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብፁእ እዩ፤ እቲ ርስቱ ክኸውን ዝሓረዮ ህዝቢ እውን ብሩኽ እዩ።
13
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ተመልከተ፤ ንዅሎም ደቂ ሰብውን ረአየ።
14
ኣብ ማሕደሩ ኾይኑ፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ተመልከተ።
15
ንሱ በይኑ ንልቦም ዝፈጠረ፥ ንተግባር ኵላቶም ድማ ዝፈልጥ ንሱ እዩ።
16
ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን።
17
ፈረስውን ከንቱ እዩ፤ ኣየድሕንን፤ ብብዝሒ ሓይሉውን ኣየምልጥን።
18
እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።
19
ንሱ ንነፍሶም ካብ ሞት የድሕን፤ ብዘመን ጥሜትውን ይምግቦም።
20
ነፍስና ንእግዚኣብሄር ተስፋ ትገብር፤ ረዳኢናን መፀግዕናን ንሱ እዩሞ።
21
ልብና ብእኡ ይሕጐስ ኣሎሞ፥ ብቅዱስ ስሙ ተኣሚንና ኢናሞ።
22
ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ብኣኻ ዝተኣመንና፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕሌና ትኹን።
← Chapter 32
Chapter 34 →