bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 30
Psalms 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ተቐቢልካኒ ኢኻሞ፥ ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ።
2
ኦ ኣምላኸይ፥ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ምሕረትውን ገበርካለይ።
3
ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውፃእኻያ፤ ናብ ጕድጓድ ከይወርድውን ኣድሓንካኒ።
4
ኣቱም ቅዱሳን፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ ንመዘከርታ ቕድስናኡ ድማ ኣመስግኑ።
5
ቍጥዓኡ ንሓፂር ጊዜ እዩ፤ ሞገሱ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤ ምሸት ብኽያት ይኸውን፤ ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።
6
ኣነውን ብታሕጓሰይ “ንዘለኣለም ኣይናወፅን እየ” በልኩ።
7
ኦ ጐይታ፥ ብፍቓድካ ንህይወተይ ሓይሊ ሃብካያ፤ ገፅካ መለስካ፤ ኣነውን ደንገፅኩ።
8
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ናብ ኣምላኸይውን ለመንኩ።
9
“ኣነ ናብ ጥፍኣት እንተ ወረድኩ፥ ብደመይ እንታይ ረብሓ ኣሎ? ሓመድከ የመስግነካዶ? ንሓቅኻኸ ይነግርዶ?
10
እግዚኣብሄር ሰምዐ፤ መሓረኒውን፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ ኮነኒ።”
11
ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥ ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤ ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።
12
ኦ ኣምላኸይ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ።
← Chapter 29
Chapter 31 →