bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 29
Psalms 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ውሉድ ኣምላኽ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ።
2
ናይ ስሙ ኽብሪ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ኣብ ስፍራ ቅድስናኡ ንእግዚኣብሄር ስገዱ።
3
ድምፂ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፤ ኣምላኽ ክብሪ ኣንጐድጐደ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
4
ድምፂ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ኽብሪ እዩ።
5
ድምፂ እግዚኣብሄር ንዝግባታት ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ንዝግባ ሊባኖስ ይቕጥቅጦ።
6
ንሊባኖስ ከም ብተይ፥ ንስርዮን ግና ከም ሓደ ቐርኒ ዘለዎ ውሉድ ኣራዊት የዐንድሮም።
7
ድምፂ እግዚኣብሄር ንነበልባል ሓዊ ይስንጥቖ።
8
ድምፂ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የናውፆ፤ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የናውፆ።
9
ድምፂ እግዚኣብሄር ንዋልያታት የጠንክሮም፤ ንዱርውን ይገልፆ፤ ኵሉውን ኣብ መቕደሱ ምስጋና ይብል።
10
እግዚኣብሄር ንጥፍኣት ማይ ይእክቦ፤ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንጉስ ኮይኑ ይነብር።
11
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦም፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾም።
← Chapter 28
Chapter 30 →