bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 31
Psalms 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥ ንዘለኣለም ኣይሕፈር፤ ብፅድቅኻውን ኣድሕነኒ።
2
እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ቀልጢፍካውን ኣድሕነኒ፤ ምእንቲ ኽተድሕነኒ መተኣማመኒ ኣምላኽን፥ መፀግዒ ቤትን ኩነኒ።
3
እምባይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ስለ ስምካ ኢልካ መንገደይ ኣቕንዕ፤ ምርሐኒውን።
4
ንስኻ መተኣማመኒየይ ኢኻ እሞ፥ ካብቲ ብሕቡእ ዘፃወዱለይ መፈንጠር ኣውፅአኒ።
5
ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ሓደራ እህብ ኣለኹ፤ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ።
6
ነቶም ከንቱ ነገር ዝፅበዩ ዅሎም ፀላእኻ፤ ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ተኣመንኩ።
7
ንመከራይ ርኢኻዮ ኢኻሞ፥ ንነፍሰይውን ካብ ጭንቂ ኣድሒንካያ ኢኻ እሞ፥ ብምሕረትካ ደስ ይብለኒ፥ እሕጐስውን ኣለኹ።
8
ኣብ ኢድ ፀላኢየይ ኣይዓፀኻንን፤ ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን።
9
ኦ ጐይታ፥ ተሸጊረ እየ ዘለኹሞ ምርሐኒ፤ ኣዒንተይ ብሓዘን ደኸማ፤ ነፍሰይን ከርሰይን ብሓዘን ሃለቓ።
10
ህይወተይ ብሓዘን፥ ዓመታተይ ብብኽያት ተወድኣ፤ ሓይለይ ብሽግር ደኸመ፤ ኣዕፅምተይውን ሰንሰና።
11
ብፀላእተይ ተነወርኩ፤ ብሕልፊኳ ብጐረባብተይ፤ ነቶም ዝፈልጡኒ መፍርሒ ኾንኩ፤ ኣብ ኣደባባይ ዝረአዩኒውን ካባይ ሃደሙ።
12
ከም ዝሞተ ሰብ ካብ ልቢ ተረሳዕኹ፤ ከም ስቡር ኣቕሓውን ተቘፀርኩ።
13
ናይ ብዙሓት ሰባት ፀርፊ ሰሚዐ እየሞ፥ ኣብ ዙርያይ ፍርሓት ነበረ፤ ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ።
14
ኣነ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እእመን፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻውን በልኩ።
15
ርስተይ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ካብ ኢድ ፀላእተይን ካብ ዘሳጕጉኒውን ኣድሕነኒ።
16
ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ገፅካ ኣብርህ፤ ስለ ምሕረትካ ኸዓ ኣድሕነኒ።
17
ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ፀዊዐ እየሞ ኣይሕፈር፤ ክፉኣት ግና ይሕፈሩ፤ ኣብ ሲኦልውን ፀጥ ይበሉ።
18
እተን ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ብትዕቢትን ብንዕቐትን ዝዛረባ፥ ከናፍር ሓሰት ይተዓበሳ።
19
ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ፥ ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ?
20
ብመጋረዲ ገፅካ ኻብ ክርክር ሰባት ትኽውሎም፤ ካብ ክርክር ኣንደበትውን ኣብ ውሽጢ ድንኳንካ ትጋርዶም።
21
ኣብ ውሽጢ ዝተኸበበት ከተማ፥ ዘደንቕ ምሕረቱ ኣባይ ዝገለፀ እግዚኣብሄር ይመስገን።
22
ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤ ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።
23
ኣቱም ቅዱሳኑ ዅልኹም፥ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ፤ እግዚኣብሄር ንእሙናት ይደልዮም እዩሞ፤ ንዕቡያት ግና ፈፂሙ ይብቀሎም።
24
ኣቱም ኵልኻትኩም ብእግዚኣብሄር እትኣምኑ፥ በርትዑ፤ ልብኹምውን ይፅናዕ።
← Chapter 30
Chapter 32 →