bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 28
Psalms 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ እንተ ዘይመሊስካለይ፥ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይመስልስ፥ ኣታ ኣምላኸይ ስቕ ኣይትበለኒ።
2
ኣእዳወይ ናብ መቕደስካ ዘርጊሐ፥ ናባኻ ኽምህለል እንተለኹ፥ ቃል ልመናይ ስማዕ።
3
ምስ ሓጥኣንን ምስ ገበርቲ ኽፉእን ዓመፅትን፥ ንነፍሰይ ኣይትውሰዳ፤ ኣብ ልቦም ክፍኣት እናሃለወ፥ ምስ ብፆቶም ሰላም ምስ ዝዛረቡ ኣይትደርብየኒ።
4
ከም ስራሖምን ከም ክፉእ ኣካይዳኦምን ሃቦም፤ ከም ተግባር ኣእዳዎም ሃቦም፤ ፍዳኦምውን ናብ ርእሶም ምለሰሎም።
5
ንሳቶም ንስራሕ እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣይሓሰቡንሞ፥ ከፍርሶም እዩ እምበር ኣይሃንፆምን።
6
ንቓል ልመናይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።
7
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
8
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሎም እዩ፤ ነቲ ዝቐብኦውን ናይ ድሕነቱ መተኣማመኒ እዩ።
9
ህዝብኻ ኣድሕን፤ ርስትኻውን ባርኽ፤ ሓልዎም፤ ንዘለኣለምውን ልዕል ልዕል ኣብሎም።
← Chapter 27
Chapter 29 →