bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 25
Psalms 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ።
2
ኣምላኸይ፥ ኣባኻ እእመን ኣለኹ፥ ኣይሕፈር፤ ፀላእተይውን በኣይ ኣይስሓቑ።
3
እቶም ኣባኻ ተስፋ ዝገብሩ፥ ኣይሓፍሩን እዮም፤ እቶም ብኸንቱ ዝተናዀሉ ግና ኽሓፍሩ እዮም።
4
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ኣመልክተኒ፤ ኣሰርካውን መሃረኒ።
5
ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥ ብሓቅኻ ምርሐኒ፤ መሃረኒውን፤ ኵልሻዕ ኣባኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
6
ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካን ሕያዋይነትካን፥ ካብ ጥንቲ እየንሞ ዘክረን።
7
ኦ ጐይታ፥ ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ሓጢኣተይን በደለይን ኣይትዘክሮ፤ ስለ ብዝሒ ለውሃትካ፥ ከም ምሕረትካ ዘክረኒ።
8
እግዚኣብሄር ሕያዋይን ቅኑዕን እዩ፤ ስለዙይ ንሓጥኣን መንገዲ ይመርሖም።
9
ንሱ ንየዋሃን ብፍርዲ ይመርሖም፤ ንገርህታትውን መንገዲ ይምህሮም እዩ።
10
ነቶም ቃል ኪዳኑን ምስክሩን ዝሕልዉ፥ ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ።
11
ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ።
12
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።
13
ነፍሱ ኣብ ሰናይ ትሓድር፤ ዘርኡውን ንምድሪ ይወርስ።
14
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
15
ንሱ ነእጋረይ ካብ መፈንጠር የናግፈን እዩሞ፥ ኣዒንተይ ኵልሻዕ ናብ እግዚኣብሄር እየን።
16
ኦ ጐይታ፥ ኣነ በይነይን ሽግረኛን እየሞ፥ ገፅካ ናባይ ግበር፤ መሓረኒውን።
17
ሽግር ልበይ ብዙሕ እዩ፤ ካብ ጭንቀተይ ኣውፅአኒ።
18
ንድኻመይን መከራይን ረአ፤ ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።
19
ፀላእተይ ከም ዝበዝሑ ረአ፤ ብግፍዒውን ፀልኡኒ።
20
ንነፍሰይ ሓልዋ፤ ኣናግፈኒውን፤ ንኣኻ ተኣሚነ እየሞ ኣይሕፈር።
21
ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣለኹ እሞ፥ ተኣማንነትን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።
22
ኦ ጐይታ፥ ንእስራኤል ካብ ኵሉ መከራኡ ኣድሕኖ።
← Chapter 24
Chapter 26 →