bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 26
Psalms 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ኣነ ብለውሃተይ እኸይድ ኣለኹሞ ፍረደለይ፤ ብእግዚኣብሄርውን ኣሚነ ኣለኹሞ ኣይናወፅን።
2
ኦ ጐይታ፥ ፍተነንን መርምረንን፤ ንዀላሊተይን ንልበይን ፍተን።
3
ምሕረትካ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩሞ፥ ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ።
4
ከንቱ ኣብ ዝኾነ ባይቶ ኣይተቐመጥኩን፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይኣተኹን።
5
ማሕበር ክፉኣት ፀላእኹ፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይቕመጥን እየ።
6
ኣእዳወይ ብንፅህና እሓፅብ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ ንመሰዊዒኻውን እዞሮ ኣለኹ፤
7
ድምፂ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኵሉ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኽነግር እዩ።
8
ኦ ጐይታ፥ ነቲ እትነብረሉ ቤት፥ ነቲ ኽብርኻ ዝሓድረሉ ቦታ ፈተኹ።
9
ንነፍሰይ ምስ ሓጥኣን፥ ንህይወተይውን ምስ ናይ ደም ሰባት ኣይተጥፍኣያ።
10
ንሳቶም ኣብ ኢዶም ተንዀል ኣለዎም፤ የማናይ ኢዶም ድማ ጉቦ ዝመልአ እዩ።
11
ኣነ ግና ብየዋህነተይ ከድኩ፤ ኣድሕነኒ፤ መሓረኒውን።
12
ኣእጋረይ ብቕንዕና ቆይመን እየንሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማሕበር አመስግነካ ኣለኹ።
← Chapter 25
Chapter 27 →