bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 24
Psalms 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።
2
ንሱ ኣብ ባሕሪ መስሪቱዋ እዩሞ፥ ብወሓዝቲውን ኣፅንዒዋ እዩሞ።
3
ናብ እምባ እግዚኣብሄር ዝድይብ መን እዩ? ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ ዝቐውምከ መን እዩ?
4
እቲ ኣእዳዉ ዝነፅሃ፥ ልቡውን ንፁህ ዝኾነ፥ ነፍሱ ንኸንቱ ዘየልዓለ፥ ንብፃዩ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
5
ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር በረኸት ይረክብ፤ ካብ መድሓኒኡ ኣምላኽውን ምሕረት ይቕበል።
6
እዛ ትውልዲ እዚኣ ንእኡ እትደሊ እያ፤ ንገፅ ኣምላኽ ያእቆብውን ትደሊ።
7
ኣቱም መኳንንቲ፥ በርታት ክፈቱ፤ ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤ እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ።
8
እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ እዙይ መን እዩ? እግዚኣብሄር እዩ ብርቱዕን ሓያልን፤ እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ውግእ ሓያል።
9
ኣቱም መኳንንቲ በርታት ክፈቱ፤ ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤ እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ።
10
እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ መን እዩ? ናይ ሰራዊት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ናይ ክብሪ ንጉስ እዩ።
← Chapter 23
Chapter 25 →