bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 23
Psalms 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፤ ዘስእነኒውን የለን።
2
ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ፤ ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ።
3
ንነፍሰይ መለሳ፤ ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ።
4
ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ፤ በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን።
5
ኣብ ቅድመይ ማእዲ ኣዳለኻለይ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእተይ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእኻ፤ ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ።
6
ሕያዋይነትካን ምሕረትካን፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክኽተሉኒ እዮም፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን ንዘለኣለም ክነብር እየ።
← Chapter 22
Chapter 24 →