bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 22
Psalms 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ? ንኣይ ካብ ምድሓን፥ ካብ ቃል ገዓረይውን ርሑቕ ኢኻ።
2
ኦ ኣምላኸይ፥ ብመዓልቲ ናባኻ እጠርዕ፥ ግና ኣይመለስካለይን፤ ብለይቲ እኳ ዕረፍቲ የብለይን።
3
ብእስራኤል ዝተመስገንካ ንስኻ ግና፥ ብቕድስና ትነብር።
4
ኣቦታትና ኣባኻ ተኣመኑ፤ ተኣመኑ፤ ንስኻውን ኣናገፍካዮም።
5
ናባኻ ኣእወዩ፤ ኣምለጡውን፤ ኣባኻውን ተኣመኑ፤ ኣይሓፈሩንውን።
6
ኣነ ግና ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን፤ ናይ ሰብ መላገፂ ብህዝቢ እውን ዝተንዓቕኩ እየ።
7
ኵሎም ዝሪኡኒ የባጭዉለይ፤ ርእሶም እናነቕነቑ ብኸናፍሮም፦ “ኣብ እግዚኣብሄር ተኣማመነ፤ እስኪ የናግፎ፤ እንተ ፈትዩዎስ እስኪ የድሕኖ” ይብሉ።
9
ግና ንስኻ ኻብ ማህፀን ኣውፃእኻኒ፤ ኣብ ጡብ እኖይ እንተለኹውን ኣባኻ ተዓቘብኩ።
10
ካብ ማህፀን ጀሚሩ ኣባኻ ተደርበኹ፤ ካብ ከብዲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
11
ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎሞ፥ ዝረድአኒውን የለንሞ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።
12
ብዙሓት ኣብዑር ከበቡኒ፤ ስቡሓት ሽደናትውን ሓዙኒ።
13
ከምቲ ዝምንዝዕን ዝጓዝምን ኣንበሳ፥ ኣብ ልዕለይ ኣፎም ከፈቱ።
14
ከም ማይ ፈሰስኩ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ተፈላለየ፤ ልበይ ከም ሽምዒ ኾነ፤ ኣብ ማእኸል ኣምዑተይውን መኸኸ።
15
ሓይለይ ከም ገልዒ ነቐፀ፤ ልሳነይ ኣብ ትሕናገይ ጠበቐ፤ ናብ መሬት ሞትውን ኣውረድካኒ።
16
ብዙሓት ኣኽላባት ከቢቦምኒ እዮም እሞ፥ ማሕበር ክፉኣትውን ሓዙኒ፤ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ።
17
ኵሎም ኣዕፅምተይ ተቘፀሩ፤ ንሳቶምውን ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ።
18
ክዳውንተይ ንባዕላቶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ተዋደቑሉ።
19
ኦ ጐይታይ! ንስኻ ግና ኻባይ ኣይትርሓቕ፤ ኣታ ሓይለይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።
20
ንነፍሰይ ካብ ሰይፊ ኣድሕና፤ ንብሕትነተይውን ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ።
21
ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፤ ካብ ሓደ ዝቐርኑ ጐባይ ኣናግፈኒ።
22
ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም እየ፤ ኣብ ማእኸል ማሕበርውን ከመስግነካ እየ።
23
“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ኣመስግንዎ፤ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ኵልኻትኩም ኣኽብርዎ፤ ኵልኻትኩም ዘርኢ እስራኤልውን፥ ፍርሕዎ።
24
ናይ ውፁዕ ሽግር ኣይነዓቐንሞ፥ ሸለልውን ኣይበለንሞ፤ ገፁውን ካባይ ኣይሰወረንሞ፥ ናብኡ ምስ ኣእዌኹውን ሰምዐኒ።”
25
ኣብ ማእኸል ዓብዪ ጉባኤ ምስጋናይ ካባኻ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈርሕዎ መብፅዓይ ክህብ እየ።
26
ድኻታት በሊዖም ክፀግቡ እዮም፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎውን ከመስግንዎ እዮም፤ ልቦምውን ንዘለኣለም ህያው ይኸውን።
27
ኵሎም ወሰናት ምድሪ ይሕሰቡ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለሱ፤ ኵሎም ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሚኡ ክሰግዱ እዮም።
28
መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንሱውን ንኣህዛብ ክገዝእ እዩ።
29
ኵሎም ተረርቲ ምድሪ ክበልዑን፥ ክሰግዱን እዮም፤ ኵሎም እቶም ናብ መሬት ዝወርዱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽንብርከኹ እዮም፤ ነፍሰይውን ስሌኡ ብህይወት ክትነብር እያ።
30
ዘርአይ ክግዝአሉ እዩ፤ ዝመፅእ ትውልዲውን ንእግዚኣብሄር ክነግር እዩ።
31
ፅድቁውን ነቲ ገና ዝውለድ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝገበሮን ፅድቁን ክነግሩ እዮም።
← Chapter 21
Chapter 23 →