bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 21
Psalms 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ! ንጉስ ብሓይልኻ ደስ ይብሎ፤ ብምድሓንካውን የመና ደስ ይብሎ።
2
ትምኒት ልቡ ሃብካዮ፤ ልመና ኸናፍሩውን ኣይከላእኻዮን።
3
ብብዙሕ በረኸት በፃሕኻሉ፤ ብኽቡር ዕንቍ ዝኾነ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ደፋእኻሉ።
4
ህይወት ለመነካ፤ ንነዊሕ ዘመን ንዘለኣለም ሃብካዮ።
5
ብምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፤ ክብርን ምስጋናን ወሰኽካዮ።
6
ዘለኣለማዊ በረኸትውን ሂብካዮ ኢኻሞ፥ ብሓጐስ ገፅካ ኣሐጐስካዮ።
7
እቲ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ተኣማሚኑ እዩ እሞ፥ ብልዑል ምሕረትውን ኣይናወፅን እዩ።
8
ኢድካ ንዅሎም ፀላእትኻ ትርከቦም፤ የማነይቲኻውን ንዅሎም ዝፀልኡኻ ትራኸቦም።
9
ምስ ተቘጣዕኻ ድማ ኸም ሓዊ እቶን ግበሮም፤ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኸጥፍኦም እዩ፤ ሓዊ ድማ ኽበልዖም እዩ።
10
ንፍረኦም ካብ ምድሪ፥ ንዘርኦም ድማ ኻብ ማእኸል ደቂ ሰብ ክተጥፍእ ኢኻ።
11
ኣብ ልዕሌኻ ኽፍኣት ዘርጊሖም እዮምሞ፤ ዘይኽእሉዎ ምኽሪ ሓሰቡ።
12
ንድሕሪት ትመልሶም፤ ቀስትኻ ናብ ገፆም ኣቢልካ ኽተዳሉ ኢኻ።
13
ኦ ጐይታ፥ ብሓይልኻ ልዕል ልዕል በል! ንፅንዓትካውን ክነመስግንን ክንዝምርን ኢና።
← Chapter 20
Chapter 22 →