bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 20
Psalms 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብመዓልቲ መከራኻ እግዚኣብሄር ይስማዕኻ፤ ስም ኣምላኽ ያእቆብውን የቑምካ።
2
ካብ መቕደሱ ረድኤት ይልኣኸልካ፤ ካብ ፅዮን ድማ የፅንዕኻ።
3
ንዅሉ ቝርባንካ ይሕሰበልካ፤ ንዝቃፀል መስዋእትኻ ድማ የለምልመልካ።
4
ከም ልብኻ ይሃብካ፤ ኵሉ ፈቓድካውን ይፈፅመልካ።
5
ብምድሓንካ ደስ ይብለና፤ ብስም ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና፤ ንዅሉ ልመናኻ እግዚኣብሄር ይፈፅመልካ።
6
እግዚኣብሄር ነቲ ዝቐብኦ ኸም ዘድሓኖ ሎሚ ፈለጥኩ፤ ብዘድሕን ሓይሊ የማኑ፥ ካብ ሰማይ መቕደሱ ይምልሰሉ።
7
ገሊኣቶም ብሰረገላታት፥ ገሊኣቶምውን በፍራስ ይምክሑ፤ ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና።
8
ንሳቶም ሰንከልከል ኢሎም ወደቑ፤ ንሕና ግና ተሳእና፤ ፀኒዕናውን ቆምና።
9
ኦ ጐይታ፥ ንንጉስ ኣድሕኖ፤ በታ እንፅውዐካ መዓልቲ እውን ስምዐና።
← Chapter 19
Chapter 21 →