bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 19
Psalms 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሄር ይናገሩ ኣለዉ፤ ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ።
2
መዓልቲ ንመዓልቲ ነገር ተውፅእ፤ ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር።
3
ዘረባ የለን፤ ምንጋርውን የለን። ድምፆምውን ኣይስማዕን።
4
ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ፥ ቃላቶምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም ወፀ።
5
ኣብ ውሽጦም ናይ ፀሓይ ድንኳን ገበረ፤ ንሱ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ይወፅእ፤ ከም ሃርበኛ ብመንገዲ ንምጕያይ ደስ ይብሎ።
6
ኣወፃፅኣኡ ኻብ ወሰን ሰማይ እዩ፤ ምዝዋሩ ኸዓ ኽሳዕ ወሰን ዓለም እዩ፤ ካብ ረስኑውን ዝኽወል የለን።
7
ሕጊ እግዚኣብሄር ፍፁም እዩ፤ ንነፍሲውን ይምልስ፤ ምስክርነት እግዚኣብሄር እሙን እዩ፤ ንህፃናት ጠቢባን ይገብሮም።
8
ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ንልቢ የሕጕስ፤ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብሩህ እዩ፤ ንዓይኒ የብርህ።
9
ንእዚኣብሔር ምፍራሕ ንፁህ እዩ፤ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርዲ እግዚኣብሄር ሓቅን ቅንዕናን ብሓደ እዮም።
10
ካብ ወርቅን ካብ ዝኸበረ ዕንቍን ይፍቶ፤ ካብ መዓርን፥ ካብ ወለላ መዓርን ድማ ይጥዕም።
11
ባርያኻ ድማ ይሕልዎ፤ ብምሕላዉውን ብዙሕ ይጥቀም።
12
ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።
13
ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይገዝአኒ ንኣይ ንባርያኻ ሓልወኒ፤ ሽዑ ፍፁም ክኸውን እየ፤ ካብቲ ዓብዪ ሓጢኣትውን ክነፅህ እየ።
14
ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።
← Chapter 18
Chapter 20 →