bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 18
Psalms 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ሓይለይ እግዚኣብሄር፥ እፈትወካ እየ።
2
እግዚኣብሄር ከውሐይ፥ ዕርደይን መድሓኒየይን እዩ፤ ኣምላኸይ፥ ብእኡውን ዝእመነሉ ረዳእየይ፥ መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ።
3
ምስጋና ንዝግብኦ እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ፤ ካብ ፀላእተይውን ክድሕን እየ።
4
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ውሕጅ ዓመፅውን ኣፍርሐኒ፤
5
ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤ መፈንጠር ሞት ኣርከበኒ።
6
ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹዎ፤ ናብ ኣምላኸይውን ኣእዌኹ፤ ካብ መቕደሱውን ድምፀይ ሰምዐ፤ ገዓረይውን ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣእዛኑ ኣተወ።
7
ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤ መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።
8
ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።
9
ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
10
ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤ በኽናፍ ንፋስ ከዓ በረረ።
11
መሰወሪኡ ድማ ፀልማት ገበረ፤ ኣብ ዙርያኡውን ድንኳኑ ገበረ፤ ኣብ ውሽጢ ደመናት ናይ ፀልማት ማይ ነበረ።
12
ኣብ ገፁ ኻብ ዘሎ ነፀብራቕ ዝተልዓለ፥ ደመናን በረድን ጓህሪ ሓዊን ሓለፉ።
13
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።
14
ፍላፃታቱ ወርዊሩ በተኖም፤ ብርቱዕ መብረቕ ሰዲዱውን ሃወኾም።
15
ኦ ጐይታ፥ ካብ ቍጥዓኻ፥ ካብ እስትንፋስ መንፈስ መዓትካውን ዝተልዓለ፥ ዓይኒ ማያት ተርኣዩ፤ መሰረታት ምድሪ እውን ተገለፁ።
16
እግዚኣብሄር ካብ ኣርያም ኢዱ ዘርጊሑ ሓዘኒ፤ ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።
17
ካብቶም ብርቱዓት ፀላእተይ፥ በርቲዖምኒ ነይሮም እዮምሞ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ፀላእተይውን ኣድሓነኒ።
18
ብመዓልቲ መከራይውን በፅሑኒ፤ ግና እግዚኣብሄር ደገፈይ ኮነኒ።
19
ናብ ሰፊሕ ቦታውን ኣውፅአኒ፤ ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ።
20
እግዚኣብሄር ከም ፅድቀይ ክኸፍለኒ እዩ፤ ከም ንፅህና ኢደይውን ክፈድየኒ እዩ።
21
መንገዲ እግዚኣብሄር ሓሊየ እየሞ፤ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
22
ኵሉ ፍርዱ ኣብ ቅድመይ እዩሞ፤ ስርዓታቱውን ካባይ ኣየርሓቕኩን።
23
ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ተዓቀብኩ።
24
እግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቀይ፥ ክህበኒ እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ከም ንፅህና ኢደይ ክፈድየኒ እዩ።
25
ምስ ፃድቕ፥ ፃድቕ ትኸውን፤ ምስ ቕኑዕ፥ ቅኑዕ ትኸውን።
26
ምስ ንፁህ፥ ንፁህ ትኸውን፤ ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ትኸውን።
27
ንስኻ ንጥቑዕ ህዝቢ ተድሕኖ ኢኻሞ፤ ንዓይኒ ትዕቢተኛታት ግና ተዋርዶ።
28
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ተብርህ፤ ኣምላኸይ እግዚኣብሄር፥ ንፀልማተይ የብርህ።
29
ብኣኻ ኻብ ጥፍኣት እድሕን፤ ብኣምላኸይውን ንቕፅሪ እዘሎ።
30
መንገዲ ኣምላኸይ ፍፁም እዩ፤ ቃል እግዚኣብሄር ፅሩይ እዩ፤ ንሱ ነቶም ንእኡ ዝእመኑ ዅሎም ዋልታኦም እዩ።
31
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ?
32
ሓይሊ የዕጥቐኒ፥ ንመንገደይውን የቕንዐለይ፤
33
ነእጋረይ ከም እግሪ ሰስሓ ዘፅንዐን፤ ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ፥ እግዚኣብሄር እዩ።
34
ነእዳወይ ውግእ ይምህረን፤ ንቐላፅመይውን ቀስቲ ነሃስ ገበረን።
35
ንድሕነተይውን መተኣማመኒ ሂብካኒ፤ የማነይትኻውን ትድግፈኒ፤ ትምህርትኻውን ንዘለኣለም የፅንዐኒ፤ ዝምህረኒውን ተግሳፅካ እዩ።
36
ንኣካይዳይ ኣብ ትሕተይ ኣስፋሕኻለይ፤ ኣእጋረይውን ኣይተሰናኸላን።
37
ንፀላእተይ ከሳጕጎም፤ ክሕዞምውን እየ፤ ክሳዕ ዘጥፍኦምውን ኣይምለስን።
38
ከጨንቖም እየ፤ ምቛምውን ኣይኽእሉን፤ ኣብ ትሕቲ እግረይ ክወድቑ እዮም።
39
ብጊዜ ሰልፊ ሓይሊ ተዕጥቐኒ፤ ንዅሎም እቶም ኣብ ልዕለይ ዝቖሙ ኣብ ትሕተይ ተግዝኦም።
40
ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኻዮም።
41
ዝረድኦም ደልዮም ኣእወዩ፤ ዘናግፎም ግና ኣይረኸቡን፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ኣእወዩ፤ ንሱውን ኣይሰምዖምን።
42
ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ዘሎ ሓመድ ክጥሕኖም እየ፤ ከም ጭቃ መንገዲውን ክረግፆም እየ።
43
ካብ ክርክር ኣህዛብ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ድማ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ።
44
ብእዝኒ ሰሚዖም ተገዝኡለይ፤ ደቂ ጓና እናሰገዱ ናባይ መፁ።
45
ደቂ ጓና ኣረጉ፤ ብመንገዶምውን ተሰናኸሉ።
46
እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ኣምላኸይውን ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል።
47
እቲ በቐለይ ዝምልሰለይ ኣምላኽ፤ ንኣህዛብውን ኣብ ትሕተይ ከግዝአለይ እዩ።
48
ካብ ፀላእተይ ዘናግፈኒ ንሱ እዩ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝቖሙ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤ ካብ ገፋዒ ሰብ ተድሕነኒ ኢኻ።
49
ኦ ጐይታ ስለዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ።
50
ዓብዪ ድሕነት ንንጉስ ይገብረሉ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ንዳዊትን ንዘርኡን ክሳዕ ዘለኣለም ይህብ።
← Chapter 17
Chapter 19 →