bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 17
Psalms 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ፅድቀይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ኣድምፅ፤ ካብ ጠባሪ ከንፈር ዘይኮነ ፀሎተይውን ስማዕ።
2
ፍትሐይ ካብ ገፅካ ይውፃእ፤ ኣዒንትኻውን ብቕንዕና ይርኣያ።
3
ብለይቲ ተመልከትካኒ፤ ንልበይውን ፈተንካዮ፤ ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን።
4
ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።
5
ኣእጋረይ ከይናወፃ ኣካይዳይ ብመንገድኻ ኣፅንዕ።
6
ኦ ኣምላኽ፥ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ ናባኻ ኣእዌኹ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፥ ቃለይውን ስማዕ።
7
ነቶም ዝኣምኑኻ፥ ካብ ዝቃወሙ ብየማንካ እተድሕኖም፥ እቲ ዘደንቕ ሕያዋይነትካ ግለፅ።
8
ካብቶም ዘጨንቑኒ ኽፉኣት ሰባት፥ ካብቶም ንነፍሰይ ዝኸቡዋ ፀላእተይ፥ ከም መርዓት ዓይኒ ሓልወኒ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።
10
ኣምዑቶም ብስብሒ ቛፀሩ፤ ብኣፎም ድማ ትዕቢት ተናገሩ።
11
ሕዚ እውን ስጉምትና ኸበቡ፤ ኣዒንቶምውን ናብ ምድሪ ትሕት ትሕት ኣበሉ።
12
ንሱ ምምንዛዕ ከም ዝሃርፍ ኣንበሳ፥ ከምቲ ብሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ።
13
ኦ ጐይታ፥ ተልዓል ኣቐዲምካ ናብ ታሕቲ ደርብዮ፤ ንነፍሰይ ካብ ሓጢኣተኛ ብሰይፍኻ ኣድሕና።
14
ኦ ጐይታ፥ ካብ ሰባት፥ ተስፋኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ ካብ ዝኾነ ሰባት፥ ብኢድካ ኣድሕነኒ፤ ካብቲ ዝሰወርካዮ መዝገብካ ከብዶም ኣፅገብካ፤ ደቆምውን ብዙሓት እዮም፤ እቲ ዝተረፎም ድማ ንህፃናቶም ይሓድጉ።
15
ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
← Chapter 16
Chapter 18 →