bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 16
Psalms 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ! ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ ሓልወኒ።
2
ንእግዚኣብሄር፥ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ በልኩ፤ ብዘይ ዘኣኻ ሰናይ የብለይን።
3
ኵሉ ፍቓድካ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።
4
ናብ ካልኦት ንዝፈጥኑ መከራኦም ብዙሕ እዩ፤ ኣነ ንናይ ቍርባኖም ደም ኣየፍስስን፤ ስማቶምውን ብኸናፍረይ ኣይፅውዕን።
5
እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤ ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ።
6
ገመድ ኣብ ዝፀበቐ ቦታ ወደቐትለይ፤ ርስተይውን ፀበቐትለይ።
7
ነቲ ዝመኽረኒ እግዚኣብሄር እባርኾ፤ ብለይቲውን ኰላሊተይ ይግስፃኒ።
8
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ ኣለኹ፤ ብየማነይ ስለ ዘሎ ድማ ኣይህወኽን።
9
ስለዙይ ልበይ ደስ በሎ፤ ኣንደበተይውን ዕልል በለ፤ ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር።
10
ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይተሓድጋን ኢኻሞ፥ ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ።
11
መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤ ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤ ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ።
← Chapter 15
Chapter 17 →