bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 147
Psalms 147
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ መዝሙር ሰናይ እዩሞ፤ ንኣምላኽና ብመዝሙር ምምስጋንውን ፅቡቕ እዩ።
2
እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ክሃንፃ እዩ፤ ነቶም ዝተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኽእክቦም እዩ።
3
ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።
4
ንብሙሉኦም ከዋኽብቲ ይቘፅሮም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ይፅውዖም።
5
ጐይታና ዓብዪ እዩ፤ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ንጥበቡውን ወሰን የብሉን።
6
እግዚኣብሄር ንየዋሃን ልዕል የብሎም፤ ንሓጥኣን ግና ኽሳዕ ምድሪ የዋርዶም።
7
ንእግዚኣብሄር ብምስጋና ዘምሩ፤ ንኣምላኽናውን ብመሰንቆ ዘምሩሉ።
8
ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።
9
ነቶም ዝፅውዕዎ ጫቚታት ኳዃት፥ ንእንስሳትውን ምግቦም ይህቦም።
10
ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፤ በእጋር ሰብውን ኣይሕጐስን።
11
እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርሕዎን፥ በቶም ብምሕረቱ ዝእመኑን ይሕጐስ።
12
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ፤ ኦ ፅዮን፥ ንኣምላኽኪ ወድሲ።
13
መሸጐሪ መዓፁኺ ኣፅኒዑ እዩሞ፥ ንደቅኺውን ኣብ ውሽጥኺ ባሪኹዎም እዩሞ።
14
ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ገበረ፤ ብስብሒ ስርናይውን ኣፅገበኪ።
15
ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፤ ቃሉውን ቀልጢፉ ይጐዪ።
16
ንበረድ ከም ፀምሪ ይህብ፤ ንግመ ኸዓ ኸም ሓመድ ይብትኖ።
17
ንበረድውን ከም ርፍራፍ የውርድ፤ ንቝሩኸ መን ክቃወሞ ይኽእል?
18
ቃሉ ይልእኽ እሞ፥ የምክኾ፤ ንፋስ የንፍስ እሞ፥ ማያት የውሕጅ።
19
ቃሉ ንያእቆብ፥ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ድማ ንእስራኤል ይነግር።
20
ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዙይ ከቶ ኣይገበረሎምን፤ ፍርዱውን ኣይገለፀሎምን። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 146
Chapter 148 →