bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 146
Psalms 146
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሃሌ ሉያ። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ!
2
ብህይወተይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ፤ ብዘለኹዎ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
3
ምድሓን ብዘይኽእሉ በሕሉቕን፥ ብደቂ ሰባትን ኣይትተኣመኑ።
4
ነፍሱ ትወፅእ፤ ናብ መሬቱውን ይምለስ፤ ሽዑ ዅሉ ምኽሩ ይጠፍእ።
5
ረዳኢኡ ኣምላኽ ያእቆብ ዝኾነ፥ ተስፋኡውን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ሰብ ብሩኽ እዩ።
6
ንሱ ንሰማይን ምድርን፥ ንባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ እዩ፤ ንሓቂውን ንዘለኣለም ዝሕልዋ፥
7
ንዝተበደሉ ዝፈርደሎም፥ ንጥሙያት ምግቢ ዝህቦም ንሱ እዩ። እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም፤
8
እግዚኣብሄር ንዝወደቑ የልዕሎም፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ጥበበኛታት ይገብሮም፤ እግዚኣብሄር ንፃድቃን ይፈትዎም፤
9
እግዚኣብሄር ንስደተኛታት ይሕልዎም፤ ንደኽታምን መበለትን ይቕበሎም፤ ንመንገዲ ሓጥኣን ግና የጥፍኦ።
10
እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነግስ፤ ኦ ፅዮን፥ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 145
Chapter 147 →