bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 148
Psalms 148
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት ኣመስግንዎ፤ ብኣርያም ኣመስግንዎ።
2
ኵልኹም መላእኽቱ፥ ኣመስግንዎ፤ ኵልኹም ሰራዊቱ፥ ኣመስግንዎ።
3
ፀሓይን ወርሕን፥ ኣመስግናኦ፤ ኵልኹም ከዋኽብትን ብርሃናትን ኣመስግንዎ።
4
ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
5
ንሱ ኢሉ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱውን ኣዚዙ እዩሞ ተፈጠሩ፤ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6
ንዘለኣለመ ኣለምውን ኣቖሞም፤ ትእዛዝ ሃቦም፤ ኣይሓልፉንውን።
7
ኵልኻትኩም ገበላት መዓሙቝ ማያት፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ።
8
ሓዊን በረድን ኣስሓይታን ሑመድያን ንቓሉ ዝእዘዝ ንፋስ ኣውሎን፥
9
ኵልኻትኩም እምባታትን ኰረብታታትን፥ ኵሉ ዘፍሪ ኦምን ዝግባን፥
10
ኣራዊትን ኵልኻትኩም እንስሳን፥ ለመም እትብሉን፥ ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥
11
ነገስታት ምድርን፥ ኵልኻትኩም ህዝብታትን፥ ኣሕሉቕን፥ ኵልኻትኩም ገዛእቲ ምድርን፥
12
ኣጓብዝን ደናግልን፥ ዓበይትን ህፃናትን፥
13
ንስም እግዚኣብሄር የመስግኑ፤ ስሙ ንበይኑ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ምስጋናኡውን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እዩ።
14
ቀርኒ ህዝቡ ልዕል ልዕል ከብል እዩ፤ ምስጋና ዅሎም ቅዱሳኑውን፥ እቶም ናብኡ ዝቐረቡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል፥ ልዕል ልዕል ከብል እዩ። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 147
Chapter 149 →