bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 145
Psalms 145
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኸይን፥ ንጉሰይን፥ ልዕል ልዕል አብለካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ።
2
ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ እየ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ።
3
እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩ፤ ንዕቤቱ ወሰን የብሉን።
4
ውሉድ ወለዶ ንግብርታትካ ኽንእዱ እዮም፤ ሓይልኻውን ከውርዩ እዮም።
5
ንኽቡር ግርማ ቅድስናኻ ኽናገሩ እዮም፤ ተኣምራትካውን ክነጋገሩ እዮም።
6
ግርማ ሓይልኻውን ክናገሩ እዮም፤ ልዕልናኻውን ክነጋገሩ እዮም፤ ብርታዐኻውን ክነጋገሩ እዮም።
7
ብዝሒ ሕያዋይነትካ ብሓጐስ ከውፅኡ፥ ብፅድቅኻውን ሓሴት ክገብሩ እዮም።
8
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ዝድንጒ ምሕረቱውን ዝበዝሐ እዩ።
9
እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ።
10
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ስራሕኻ የመስግነካ፤ ቅዱሳንካውን ይባርኹኻ።
11
ክብሪ መንግስትኻ ይነጋገሩ፤ ሓይልኻውን ይናገሩ።
12
ሓይልኻን ክብሪ መንግስትኻን፥ ንደቂ ሰባት ምእንቲ ኸፍልጡ እዩ።
13
መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፤ ግዝኣትካውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እዩ።
14
እግዚኣብሄር ብዅሉ ቓሉ እሙን እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ፃድቕ እዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ዅሎም ይድግፎም፤ ነቶም ዝወደቑ ድማ የልዕሎም።
15
ናይ ኵሉ ዓይኒ፥ ንኣኻ ተስፋ ይገብር፤ ንስኻውን ብእዋኑ ምግቦም ትህቦም።
16
ኢድካ ትዝርግሕ እሞ፥ ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ብሰናይ ተፅግቦ።
17
እግዚኣብሄር ብዅሉ መንገዱ ፃድቕ እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ሕያዋይ እዩ።
18
እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ።
19
ድልየት እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ይሰምዕ፤ የድሕኖምውን።
20
እግዚኣብሄር ንዅሎም ዝፈትውዎ ይሕልዎም፤ ንዅሎም ሓጥኣን ግና የጥፍኦም።
21
ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፤ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
← Chapter 144
Chapter 146 →