bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 144
Psalms 144
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነእዳወይ ውግእ፥ ነፃብዕተይ ሰልፊ ዝመሃረን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይባረኽ።
2
ንሱ መሓሪየይን መዕቘብየይን ዕርደይን፥ መድሓኒየይን፤ ረድኤተይን መተኣማመንየይን፥ ንህዝበይውን ኣብ ትሕተይ ዘግዝአለይ ንሱ እዩ።
3
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኽትፈልጦ ሰብ እንታይ እዩ? ንስኻ ኽትዝክሮኸ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
4
ሰብ ከንቱ ይመስል፤ መዓልትታቱ፥ ድማ ኸም ፅላሎት ይሓልፍ።
5
ኦ ጐይታ፥ ንሰማያትካ ትሕት ትሕት ኣብሎም፤ ውረድውን፤ ንእምባታትውን ዳህስሶም፤ ክትክዩ እዮም።
6
መባርቕትካ ብልጭ ኣብል፤ በትኖምውን፤ ፍላፃታትካ ወርውር፤ ሃውኮምውን።
7
ኢድካ ኻብ ኣርያም ለኣኽ፤ ካብ ብዙሕ ማይ፥ ካብ ኢድ ደቂ ጓናውን ኣድሕነኒ።
8
ኣንደበቶም ከንቱ ነገር ካብ ዝናገር፥ የማኖምውን የማን ዓመፅ ካብ ዝኾነ ኣድሕነኒ።
9
ኦ ኣምላኽ፥ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ኽዝምረልካ እየ።
10
ንነገስታት መድሓኒት ዝህቦም፥ ንዳዊት ባርያኡ ኻብ ክፉእ ዂናት ዘድሓኖ ንሱ እዩ።
11
ኣንደበቶም ከንቱ ኻብ ዝናገር፥ የማኖምውን የማን ዓመፅ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ኢድ ደቂ ጓኖት ኣናግፈኒ፤ ኣድሕነኒውን፤
12
ደቆም ብጕብዝናኣቶም ከም ሓድሽ ኣታኽልቲ ዝኾኑ፥ ኣዋልድ ደቆምውን ከም ሕልፍኚ ዘጌፃን ዝተሸለማን ዝኾና፥
13
ኣባይቶምውን ዝመልኡ፥ በብዓይነቱ እኽሊ ዝህቡ፥ ኣባጊዖምውን ብዙሓት ዝወልዳ፥ ኣብ መውፈሪአንውን ዝበዝሓ፥
14
ኣብዑሮም የመና ዝሰብሑ፥ ንቕፅራቶምውን መፍረስን መውፅእን ዘይብሉ፥ ኣብ ኣደባባያቶምውን ኣውያት ዘየለ፥
15
ከምዙይ ዝበለ ህዝቢ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ህዝቢ ብሩኽ እዩ።
← Chapter 143
Chapter 145 →