bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 143
Psalms 143
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ብሓቂኻ ንልመናይ ፅን በሎ፤ ብፅድቅኻውን መልሰለይ።
2
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3
ፀላኢ ንነፍሰይ ኣሳጐጓ፤ ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ኣዋረዳ፤ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ፀልማት የንብረኒ ኣሎ።
4
ስለዙይ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ደኸመት፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀት።
5
ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ኵሉ ተግባርካ ኣስተንተንኩ፤ ግብሪ ኣእዳውካውን ተመልከትኩ።
6
ኣእዳወይ ናባኻ ዘርጋሕኹ፤ ነፍሰይውን ከም ንቕፅቲ ምድሪ ፀምአትካ።
7
ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
8
ብኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ኣንጊህኻ ምሕረትካ ኣስምዐኒ፤ ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ ኣለኹሞ፥ እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣፍልጠኒ።
9
ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እምሕፀን ኣለኹሞ፥ ካብ ፀላእተይ ኣናግፈኒ።
10
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መሃረኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን፥ ብምድሪ ፅድቂ ይምርሐኒ።
11
ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ህያው ግበረኒ፤ ብፅድቅኻውን ንነፍሰይ ካብ መከራ ኣውፅኣያ።
12
ብምሕረትካ ንፀላእተይ ደምስሶም፤ ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፥ ንዅሎም እቶም ንነፍሰይ ዘጨንቑዋ ኣጥፍኣዮም።
← Chapter 142
Chapter 144 →