bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 142
Psalms 142
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ።
2
ልመናይውን ኣብ ቅድሚኡ አፍስስ ኣለኹ፤ መከራይውን ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣለኹ።
3
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ መንመነት፥ ንስኻ መንገደይ ትፈልጥ፤ ኣብታ ዝኸደላ መንገዲ፥ መፈንጠር ሓብኡለይ።
4
ናብ የማነይ ተመልከትኩ፤ ረአኹውን፤ ዝፈልጠኒውን ሰኣንኩ፤ መሕብኢውን የብለይን፤ ስለ ነፍሰይውን ዝመራመር የለን።
5
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።
6
ብዙሕ ተሸጊረ እየሞ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ሓይሎምኒ እዮም እሞ ኻብቶም ዘሳጕጉኒ ኣናግፈኒ።
7
ኦ ጐይታ፥ ንስምካ ኸመስግንስ፥ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ፤ ዋጋይ ክሳዕ እትህበኒ፥ ፃድቃን ንኣይ ይፅበዩ ኣለዉ።
← Chapter 141
Chapter 143 →