bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 141
Psalms 141
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ስምዐኒ፤ ናባኻ ከእዊ እንተለኹውን ቓል ልመናይ ኣድምፅ።
2
ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን ተቐበለለይ፤ ምልዓል ኢደይውን ከም መስዋእቲ ሰርኪ ይኹን።
3
ኦ ጐይታ፥ ንኣፈይ ሓላዊ ግበር፤ ማዕፆ ኸናፍረይውን ሓሉ።
4
ዓመፅ ምስ ዝገብሩ ሰባት ንሓጢኣት ምኽንያት ከይህብ፥ ምስቶም ሕሩያቶምውን ከይተሓባበር፥ ንልበይ ናብ ክፉእ ነገር ኣይትመልሶ።
5
ፃድቕ ብምሕረት ይገስፀኒ፤ ይዝለፈኒውን፤ ዘይቲ ሓጢኣተኛ ግና ንርእሰይ ኣይቕባእ፤ ፀሎተይ ገና ኣብ ልዕሊ ኽፍኣቶም እዩሞ።
6
ሓያላታቶም ኣብ ጥቓ ኰዅሒ ተደርበዩ፤ ጥዕምቲ እያሞ ቓለይ ክሰምዑ እዮም።
7
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝተሰንጠቐ ድንኩል፥ ኣዕፅምትና ኸምኡ ኣብ መቓብር ተበተኑ።
8
ኦ ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ እየንሞ፥ ብኣኻ ኣዕቚበ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ኣይተውፅኣያ።
9
ካብቲ ዘፃወዱለይ መፃወድያን፥ ካብ ዕንቅፋት ገበርቲ ዓመፅን ሓልወኒ።
10
ኣነ በይነይ ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ሓጥኣን ኣብ መፃወድያኦም ይውደቑ።
← Chapter 140
Chapter 142 →