bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 140
Psalms 140
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ካብ ክፉእ ሰብ ኣድሕነኒ፤ ካብ ዓማፂ ሰብውን ሓልወኒ።
2
ንሳቶም ብልቦም ክፉእ ይሓስቡ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ንውግእ ይእከቡ።
3
መልሓሶም ከም ተመን ኣብልሑ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።
4
ኦ ጐይታ፥ ካብ ኢድ ሓጥኣን ሓልወኒ፤ ካብቶም ኣካይዳይ ከሰናኽሉ ዝመኸሩ ዓመፅቲ ኣድሕነኒ።
5
ዕቡያት መፈንጠር ሓብኡለይ፤ ነእጋረይውን ናይ መፈንጠር ገመድ ዘርግሑ፤ ኣብ መንገደይውን ዕንቅፋት ኣንበሩ።
6
ንእግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ንድምፂ ምህለላይ ፅን በሎ” በልክዎ።
7
ኦ ጐይታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ሸፈንካ።
8
ኦ ጐይታ፥ ካብ ድልየተይ ዝተልዓለ፥ ንሓጢኣተኛታት ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ፤ ኣብ ልዕለይ ተማኺሮም ኣለዉሞ፥ ከይዘሃሩስ ኣይትሕደገኒ።
9
ንርእሲ እቶም ዝኸበቡኒ፥ ክፍኣት ከናፍሮም ይድፈኖም።
10
ጓህሪ ሓዊ ኣብ ልዕሊኣቶም ይውደቕ፤ ከይለዓሉውን ናብ ሓዊን፥ ናብ ማዕበልን ይደርበዩ።
11
ክፉእ ተናጋሪ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ፀኒዑ ኣይነብርን፤ ንዓመፀኛ ሰብውን ክፍኣት ክተጥፍኦ ትደልዮ።
12
እግዚኣብሄር ንድኻታት ፍርዲ፥ ንምስኪናት ፍትሒ ኸም ዝገብር ፈለጥኩ።
13
ግና ፃድቃን ንስምካ ኸመስግኑ እዮም፤ ቅኑዓትውን ኣብ ቅድሚ ገፅካ ኽነብሩ እዮም።
← Chapter 139
Chapter 141 →