bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 139
Psalms 139
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መርመርካኒ፤ ፈለጥካኒውን።
2
ንስኻ ምቕማጠይን ምትስአይን ትፈልጥ፤ ንዅሉ ሓሳብ ልበይውን ገና ኻብ ርሑቕ ትፈልጦ።
3
ኣሰረይን ዕረፍተይን ንስኻ መርመርካ፤ ንዅሉ መንገደይውን ኣቐዲምካ ፈለጥካዮ።
4
ቃል ዓመፅ ኣብ ኣንደበተይ ከም ዘየለ ፈለጥካዮ።
5
ኦ ጐይታ እንሆ ናይ ቀዳማይን ናይ ዳሕረዋይን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ንስኻ ፈጠርካኒ፤ ኢድካውን ኣብ ልዕለይ ኣንበርካ።
6
ፍልጠትካ ኻባይ ብዝበለፀ ተደነቐት፤ በርትዐት፥ ናብኣ ኽበፅሕውን ኣይኽእልን።
7
ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ እየ? ካብ ገፅካኸ ናበይ ክሃድም እየ?
8
ንሰማይ እንተ ደየብኩ፥ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፤ ኣብ ሲኦል እንተ ወረድኩውን፥ ኣብኡ ኣለኻ።
9
ከም ንስሪ ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፥ ክሳዕ መወዳእታ ባሕሪ እውን እንተ በረርኩ፥
10
ኣብኡውን ኢድካ ኽትመርሐኒ፥ የማንካውን ክትሕዘኒ እያ።
11
ብርግፅ ፀልማት ክትሽፍነኒ እያ እንተ በልኩ፥ ለይቲ ኣብ ዙርያይ ብርሃን ትኸውን።
12
ፀልማት ኣባኻ ኣይፅልምትን እዩሞ፥ ለይቲ እውን ከም መዓልቲ ተብርህ እያሞ፥ ከም መጠን ፀልማታ ብርሃና ኸምኡ እዩ።
13
ኦ ጐይታ፥ ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጠርካ፤ ኣብ ማህፀን ወላዲተይውን ንስኻ ሰወርካኒ።
14
ግሩምን ዘደንቕን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፥ ከመስግነካ እየ፤ ስራሕኻ ዘደንቕ እዩ፤ ነፍሰይውን ነዙይ ብሓቂ ትፈልጦ እያ።
15
ኣነ ብስውር እንትስራሕ፥ ኣካለይውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ እንትስራሕ፥ ኣዕፅምተይ ካባኻ ኣይተሰወሩን።
16
ነቲ ገና ዘይተሰርሐ ኣካለይ፥ ኣዒንትኻ ረአያ፤ እቶም ዝተፈጠሩ መዓልትታተይ ሓደኳ እንተይነበረ፥ ኣብ መፅሓፍካ ተፅሓፉ
17
ኦ ኣምላኽ፥ ሓሳባትካ ንኣይ ከመይ የመና ኽቡር እዩ! ቍፅሮምከ ክንደይ ብዙሕ እዩ!
18
እንተ ቘፀርክዎም ኻብ ሑፃ የመና ይበዝሑ፤ ተሳእኹውን፥ ኣነ ገና ምሳኻ እየ ዘለኹ።
19
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ሓጥኣን ትቐትሎም እንተ ደኣ ዄንካ፥ ኣቱም ናይ ደም ሰባት፥ ካባይ ረሓቑ!
20
ንሳቶም ብተንኰል ይዛረቡልካ እዮም፤ ፀላእትኻውን ብኸንቱ ይዕምፁኻ።
21
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝፀልኡኻዶ ኣይፀላእኹዎምን? ስለ ፀላእትኻኸ ኣይተሰቀቕኩንዶ?
22
ፍፁም ፅልኢ ፀላእኽዎም፤ ፀላእትውን ኮኑኒ።
23
ኦ ጐይታ፥ መርምረኒ፤ ንልበይውን ፍለጥ፤ ፈትነኒ፤ መንገደይውን ፍለጥ፤
24
በደልውን ኣባይ ዝርከብ እንተ ደኣ ኾይኑ ረአ፤ በቲ ናይ ዘለኣለም መንገድውን ምርሐኒ።
← Chapter 138
Chapter 140 →