bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 136
Psalms 136
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕያዋይ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
2
ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
3
ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
4
ንሱ በይኑ ዓበይቲ ተኣምራት ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
5
ንሰማያት ብጥበብ ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
6
ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማይ ዘፅንዓ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
7
ንሱ በይኑ ዓበይቲ ብርሃናት ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
8
ንፀሓይ ብመዓልቲ ኽትስልጥን ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
9
ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኽስልጥኑ ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
10
ንግብፂ ምስ በዅሮም ዝወቕዖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
11
ንእስራኤል ካብ ማእኸሎም ዘውፅኦም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
12
ብፅንዕቲ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልፅምን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
13
ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐላ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
14
ንእስራኤልውን ብማእኸላ ዘሕለፎም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
15
ንፈርዖንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ኤርትራ ዘስጠመ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
16
ንህዝቡ ብምድረ በዳ ዝመርሖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
17
ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዐ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
18
ንሓያላት ነገስታት ዝቐተለ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
19
ንሴዎን፥ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
20
ንኣግ፥ ንጉስ ባሳን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
21
ንምድሮም ርስቲ ገይሩ ዝሃበ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
22
ርስቲ ባርያኡ እስራኤል፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
23
ኣብ ጊዜ ውርደትና ዝዘከረና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
24
ካብ ኢድ ፀላእትና ዘናገፈና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
25
ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ምግቢ ዝህብ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
26
ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
← Chapter 135
Chapter 137 →