bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 137
Psalms 137
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ጥቓ ሩባታት ባቢሎን ተቐመጥና፤ ንፅዮን ምስ ዘከርናያ ኸዓ በኸና።
2
መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኡ ዘሎ ኣእዋም ኲሓታት ሰቐልና፤
3
እቶም ዝማረኹና ኣብኡ ብዛዕባ መዝሙር ጠየቑና፤ እቶም ዝወሰዱና ኸዓ፥ “ካብ መዝሙር ፅዮን ዘምሩልና” በሉና።
4
ናይ እግዚኣብሄር መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ጓና ኸመይ ኢልና ኽንዝምር!
5
ኦ ኢየሩሳሌም፥ እንተ ረሲዐክስ፥ የማነይ ትረስዐኒ፤
6
እንተ ዘይዘኪረኪ፥ ሕልፊ ዅሉ ሓጐሰይ፥ ንኢየሩሳሌም እንተዘይፈትየ፥ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።
7
ኦ ጐይታ፥ ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም፥ ነቶም “ኣፍርስዋ፤ ካብ መሰረታ ኣፍርስዋ” ዝብሉ ደቂ ኤዶም ዘክሮም።
8
ኣቲ ሕስርቲ ጓል ባቢሎን፥ ሕነ እቲ ዝተበቀልክና ዝብቀለኪ፥ ብሩኽ እዩ።
9
ንህፃናትኪውን ሒዙ ኣብ ኰዅሒ ፃሕ ዘብሎም ብሩክ እዩ።
← Chapter 136
Chapter 138 →