bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 135
Psalms 135
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሃሌ ሉያ። ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣመስግንዎ።
2
ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዓፀድ ቤት ኣምላኽና እትቖሙ፥
3
ሕያዋይ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ሰናይ እዩ እሞ ንስሙ ዘምሩ።
4
እግዚኣብሄር፥ ንያእቆብ ንባዕሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ንርስቱ ሓርይዎ እዩ እሞ።
5
እግዚኣብሄር ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ጐይታና ኸዓ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝበልፅ ፈሊጠ ኣለኹሞ።
6
ንሱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን ኣብ መዓሙቝን ዝደለዮ ዅሉ ገበረ።
7
ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።
8
ኣብ ግብፂ ኻብ በዅሪ ሰብ፥ ክሳዕ በኵሪ እንስሳ ቐተለ።
9
ኦ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸልኪ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣገልገልቱን፥ ተኣምራትን ድንቅን ሰደደ።
10
ብዙሓት ኣህዛብ ኣጥፍአ፤ ንብርቱዓት ነገስታትውን ቀተለ።
11
ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኣግ ንጉስ ባሳንን፥ ንዅሎም ነገስታት ከነዓንን ቀተለ።
12
ንምድሮም ርስቲ ገይሩ፥ ንህዝቡ እስራኤል ርስቲ ሃበ።
13
ኦ ጐይታይ፥ ስምካ ንዘለኣለም እዩ፤ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
14
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርደሎም እዩ እሞ፤ ንኣገልገልቱ ድማ ኽረድኦም እዩሞ።
15
ጣዖታት ኣህዛብ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ፥ ስራሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።
16
ኣፍ ኣለዎም፥ ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፥ ኣይሪኡን፤
17
እዝኒ ኣለዎም፥ ኣይሰምዑን፤ ኣብ ኣፎም ድማ እስትንፋስ የለን።
18
እቶም ዝሰርሕዎምን፥ ኵሎም ኣብኣቶም ዝዕቘቡን ከምኣቶም ይኹኑ።
19
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኣቱም ቤት ኣሮን፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
20
ኣቱም ቤት ሌዊ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሓድር እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን ይባረኽ። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 134
Chapter 136 →