bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 127
Psalms 127
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።
2
ንግሆ ምግስጋስኩም ከንቱ እዩ፤ ንሱ ንፈተውቱ ድቃስ ምስ ሃበ፥ ኣቱም ናይ መከራ እንጀራ እትበልዑ፥ ካብ ዝተቐመጥኩምዎ ተስኡ።
3
እንሆ፥ ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።
4
ኣብ ኢድ ሓያል ከም ዘለዉ ፍላፃታት፥ ውሉዳት ጕብዝና ኸምኡ እዮም።
5
ብኣኣቶም ትምኒቱ ዝመልአሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ፤ ንፀላእቶም ኣብ ኣደባባይ እንትናገሩ፥ ንሱ ኣይሓፍርን።
← Chapter 126
Chapter 128 →