bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 119
Psalms 119
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብመንገዶም ንፁሃን ዝኾኑ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዝኸዱ ቡሩኻት እዮም።
2
ምስክርነቱ ዝሕልዉ፥ ብምሉእ ልቦምውን ዝደልይዎ ዝተባረኹ እዮም።
3
ንሳቶም ዓመፅ ኣይገብሩን፤ ብመንገድታቱ ኸዓ ይኸዱ።
4
ንትእዛዛትካ ተጠንቂቕና ምእንቲ ኽንሕልዎ፥ ንስኻ ኣዘዝካና።
5
ስርዓታትካ ንኽሕሉ፥ መንገድታተይ ክቐንዐለይ ምፈተኹ ነይረ።
6
ኵሉ ትእዛዛትካ እንትምልከት፥ ሽዑ ኣይሓፍርን እየ።
7
ኦ ጐይታ ነቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ምስ ተምሃርኩ፥ ብቕኑዕ ልቢ ኸመስግነካ እየ።
8
ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፤ ፈፂምካ ኣይትደርብየኒ።
9
መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ? ቃልካ ብምሕላው እዩ።
10
ብምሉእ ልበይ ደለኹኻ፤ ካብ ትእዛዝካ ኣይተርሕቐኒ።
11
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
12
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ቡሩኽ ኢኻ፤ ስርዓታትካ መሃረኒ።
13
ኵሉ ፍርዲ ኣንደበትካ፥ ብኸንፈረይ ነገርኩ።
14
ከም ኵሉ ሃብቲ፥ ብመንገዲ ምስክርነትካ ደስ በለኒ።
15
ንትእዛዛትካ አስተንትኖ ኣለኹ፤ ንመንገድኻውን እደልዮ ኣለኹ።
16
ብትእዛዛትካ እሕጐስ፤ ንቓልካውን ኣይርስዖን እየ።
17
ብህይወት ክነብር፥ ቃልካውን ክሕሉስ፥ ንኣገልጋሊኻ ሰናይ ግበረለይ።
18
ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።
19
ኣነ ኣብዛ ምድሪ ጋሻ እየ፤ ትእዛዛትካ ኻባይ ኣይትሰውር።
20
ነፍሰይ ኵልሻዕ ንፍርድኻ የመና ናፈቐት።
21
ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዝሰሓቱ ትዕቢተኛታትን ርጉማትን ገሰፅካዮም።
22
ምስክርነትካ ደልየ እየ እሞ፥ ፀርፍን ንዕቐትን ካባይ ኣርሕቕ።
23
መሳፍንቲ ድማ ተቐሚጦም ነኣይ ሓመዩኒ፤ ኣገልጋሊኻ ግና ሕግታትካ የስተንትን ነበረ።
24
ምስክርነትካ ነኣይ ሓጐሰይ እዩ፤ ስርዓትካውን መኻርየይ እዩ።
25
ነፍሰይ ናብ ምድሪ ተፀግዐት፤ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
26
መንገድኻ ነገርኩ፤ ንስኻውን ሰማዕኻኒ፤ ስርዓታትካ መሃረኒ።
27
መንገዲ ስርዓትካ ኸስተውዕል ግበረኒ፤ ንተኣምራትካውን ከስተንትኖ እየ።
28
ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ነፍሰይ ተታኸሰት፤ ብቓልካ ኣፅንዐኒ።
29
መንገዲ ዓመፅ ካባይ ኣርሕቕ፤ ሕግኻውን መሃረኒ።
30
መንገዲ ሓቂ መረፅኩ፤ ፍርድኻውን ኣይረሳዕኹን።
31
ኦ ጐይታ፥ ናብ ምስክርነትካ ተፀጊዐ እየሞ ኣይተሕፍረኒ።
32
ንልበይ ምስ ኣስፋሕኻዮ፥ ብመንገዲ ትእዛዛትካ ጐየኹ።
33
ኦ ጐይታ፥ መንገዲ ስርዓታትካ መሃረኒ፤ ኣነ ኸዓ ኽሳዕ መወዳእታ ኽሕልዎ እየ።
34
ምስትውዓል ሃበኒ፤ ኣነ ኸዓ ንሕግኻ ኽደልዮ፥ ብምሉእ ልበይውን ክሕልዎ እየ።
35
ንኣኣ ፈትየ እየ እሞ፥ ብመንገዲ ትእዛዝካ ምርሐኒ።
36
ልበይ ናብ ስስዐ ዘይኮነስ፥ ናብ ምስክርነትካ ኣዘምብሎ።
37
ነዒንተይ ከንቱ ነገር ካብ ምጥማት ምለሰን፤ ብመንገድኻውን ህያው ግበረኒ።
38
ምእንቲ ክፈርሐካ፥ ንባርያኻ ብቓልካ ኣፅንዓዮ።
39
ፍርድኻ ሰናይ እዩሞ፥ ንዝፈርሖ ፀርፊ ኻባይ ኣርሕቕ።
40
እንሆ ትእዛዛትካ ናፈቕኩ፤ ብፅድቅኻ ህያው ግበረኒ።
41
ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ቓልካ፥ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምፅኡኒ።
42
ብቓልካ ተኣሚነ እየሞ፥ ነቶም ዝፀርፉኒ ብነገር መልሲ ኽህቦም እየ።
43
ብፍርድታትካ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥ ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈፂምካ ኣይተርሕቕ።
44
ክሳዕ ዘለኣለመ ኣለም፥ ንሕግኻ ዅልሻዕ ክሕልዎ እየ።
45
ንትእዛዛትካውን ደልየ እየሞ፥ ኣስፊሐ ክኸይድ እየ።
46
ኣብ ቅድሚ ነገስታት ምስክርነትካ ኽናገር እየ፤ ኣይሓፍርንውን።
47
በቶም የመና ዝፈትዎም፥ ትእዛዛትካ ደስ ይብለኒ።
48
ናብቶም ዝፈትዎም ትእዛዛትካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ፤ ንስርዓታትካውን ከስተንትን እየ።
49
ነቲ ንኣይ ንኣገልጋሊኻ ዘተስፈኻዮ ቓል ዘክር፤ ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ።
50
እዚኣ ብመከራይ ኣሐጐሰትኒ።
51
ዕቡያት የመና ዓመፁ፤ ኣነ ግና ኻብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።
52
ኦ ጐይታ፥ ነቲ ኻብ ጥንቲ ዝነበረ ፍርድታትካ እዝክሮ፤ ብእኡውን እፀናናዕ።
53
ካብቶም ሕግኻ ዝሓደጉ ሓጢኣተኛታት ዝተልዓለ፥ ሓዘን ሓዘኒ።
54
ተሰዲደ ኣብ ዝኸድኩሉ ዓዲ፥ ስርዓታትካ መዝሙር ኮነኒ።
55
ኦ ጐይታ፥ ብለይቲ ስምካ ዘከርኩ፤ ሕግኻውን ሓለኹ።
56
ንትእዛዛትካውን ደልየ ኣለኹሞ፤ ንሳውን ኮነትኒ።
57
እግዚኣብሄር፥ ግደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሕግኻ ኽሕሉ እየ በልኩ።
58
ብፍፁም ልበይ ናብ ገፅካ ተማህለልኩ፤ ከም ቃልካውን መሓረኒ።
59
ብዛዕባ መንገድታተይ ሓሰብኩ፤ ኣእጋረይውን ናብ ምስክርነትካ መለስኩ።
60
ትእዛዛትካ ንምሕላው ጨከንኩ እምበር፥ ኣይደንጐኹን።
61
ገመድ ሓጥኣን ተጠምጠመኒ፤ ንሕግኻ ግና ኣይረሳዕኹን።
62
ስለ እቲ ቅኑዕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፥ ፍርቂ ለይቲ እትስእ።
63
ኣነ ብፃይ እቶም ኵሎም ዝፈርሑኻን፥ ንትእዛዛትካ ዝሕልዉን እየ።
64
ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣብ ኵሉ ምድሪ መሊኣ እያ፤ ስርዓታትካ መሃረኒ።
65
ኦ ጐይታ፥ ከም ቃልካ፥ ነገልጋሊኻ ሰናይ ገበርካሉ።
66
ብትእዛዛትካ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ሰናይ ምኽርን ፍልጠትን መሃረኒ።
67
ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤ ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።
68
ንስኻ ሰናይ ኢኻሞ፥ ሰናይ ትገብር ኣለኻ፤ ብሕያዋይነትካውን ስርዓትካ መሃረኒ።
69
ዓመፅ ትዕቢተኛታት ኣብ ልዕለይ በዝሐ፤ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እደሊ ኣለኹ።
70
ልቦም ከም ፀባ ረግአ፤ ኣነ ግና ብሕግኻ እሕጐስ ኣለኹ።
71
ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።
72
ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርን ሕጊ ኣፍካ ይሕሸኒ።
73
ኣእዳውካ ሰርሓኒ ኣመዓራረያኒውን፤ ትእዛዛትካ ኽመሃርስ ምስትውዓል ሃበኒ።
74
ብቓልካ ተኣሚነ እየሞ፥ እቶም ዝፈርሑኻ ንኣይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም።
75
ኦ ጐይታ፥ ፍርድኻ ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ በቲ ሓቂኻውን ከም ዘጨነቕካኒ ፈለጥኩ።
76
ምሕረትካ ንምፅንናዐይ ትኹን፤ ከምቲ ቓልካውን ንባርያኻ ይኹኖ።
77
ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፥ ምሕረትካ ይምፅአኒ።
78
ዕቡያት ብዓመፅ ጠውዮምኒ እዮም እሞ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ብትእዛዝካ እፃወት ኣለኹ።
79
እቶም ዝፈርሑኻን፥ ምስክርነትካ ዝፈልጡን ናባይ ይመለሱ።
80
ኣነ ምእንቲ ኸይሓፍር፥ ልበይ ብስርዓታትካ ቕኑዕ ይኹን።
81
ነፍሰይ ምድሓንካ ናፈቐት፤ ብቓልካውን ተኣመንኩ።
82
“መኣዝ ኢኻ እተፀናንዐኒ?” እናበልኩ ኣዒንተይ ስለ ቓልካ ፈዘዛ፤
83
ኣብ ልዕሊ ትኪ ኸም ዝተሰቕለ ለቘታ ኾይነ እየሞ፤ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኹን።
84
ዘመን ባርያኻ ኽንደይ እየን? ኣብ ልዕሊ እቶም ዘሳጕጉኒኸ መኣዝ ክትፈርደለይ ኢኻ?
85
ሓጢኣተኛታት ፀወታ ነገሩኒ፥ ኦ ጐይታ ኸም ሕግኻ ግና ኣይኮነን።
86
ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፤ ብዓመፅ የሳጕጉኒ ኣለዉ እሞ፥ ርድአኒ።
87
ካብ ምድሪ ኸጥፍኡኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ነይሩ፤ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን።
88
ከም ምሕረትካ ህያው ግበረኒ፤ ኣነውን ናይ ኣፍካ ምስክርነት ክሕሉ እየ።
89
ኦ ጐይታ፥ ቃልካ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ይነብር።
90
ሓቅነትካውን ንውሉድ ወለዶ እዩ፤ ንምድሪ መስረትካያ፤ ንሳውን ትነብር።
91
ኵሎም ኣገልገልትኻ እዮምሞ፥ እቲ መዓልቲ ብትእዛዝካ ይነብር።
92
ሕግኻ መሐጐስየይ እንተ ዘይኸውን፥ ቀደም ብዕብራነይ ምጠፋእኹ ነይረ።
93
ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፥ ፍርድታትካ ንዘለኣለም ኣይርስዕን።
94
ኣነ ናትካ እየ፤ ፍርድታትካ ደልየ ኣለኹሞ ኣድሕነኒ።
95
ሓጢኣተኛታት ከጥፍኡኒ ይፀናተዉኒ ኣለዉ፤ ኣነ ግና ምስክርነትካ መርመርኩ።
96
ናይ ኵሉ ስራሕ ፍፃሜ ረአኹ፤ ትእዛዛትካ ግና የመና ሰፊሕ እዩ።
97
ኦ ጐይታ፥ ንሕግኻ ኽንደይ ፈተኹዎ! ምሉእ መዓልቲ እውን አስተንትኖ ኣለኹ።
98
ትእዛዛትካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፥ ካብ ፀላእተይ ብዝበለፀ ኣለበመኒ።
99
ምስክርነትካ ስለ ዘስተንትን፥ ካብ ኵሎም ዝመሃሩኒ ዝበለፀ ኣስተውዓልኩ።
100
ትእዛዛትካ ሓልየ እየሞ፥ ካብ እቶም ሽማግለታት ዝበለፀ መስተውዓሊ ኾንኩ።
101
ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ መንገዲ እግረይ ከልከልኩ።
102
ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻሞ፥ ካብ ፍርድታትካ ኣይረሓቕኩን።
103
ቃልካ ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ንኣፈይ ካብ መዓርን ካብ ወለላን ዝበለፀ መቀረኒ።
104
ካብ ትእዛዛትካ ዝተልዓለ ኣስተውዓልኩ፤ ስለዙይ ኵሉ መንገዲ ሓሰት ፀላእኹ።
105
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
106
ንፍርድታት ፅድቅኻ ክሕሉ መሓልኩ፤ ኣፅናዕኽዎውን።
107
ኦ ጐይታ፥ የመና ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
108
ኦ ጐይታ፥ እቲ ካብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃል ባህ የብልካ፤ ፍርድኻውን መሃረኒ።
109
ነፍሰይ ኵልሻዕ ኣብ ኢደይ እያ፤ ሕግኻ ግና ኣይርስዕን እየ።
110
ሓጢኣተኛታት መፈንጠር ኣፃወዱለይ፤ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይጠሓስኩን።
111
ናይ ልበይ ሓጐስ እዩ እሞ፥ ምስክርነትካ ንዘለኣለም ወረስኩ።
112
ንዘለኣለም ክሳዕ መወዳእታውን፥ ትእዛዛትካ ኽገብር ንልበይ ኣዘንበልኩ።
113
ንዓመፅቲ ፀላእኩ፤ ሕግኻ ግና ፈተኹ።
114
ንስኻ ረዳእየይን መፀግዕየይን ኢኻ፤ ብቓልካውን ተኣማመንኩ።
115
ትእዛዛት ኣምላኸይ ክደልስ፥ ኣቱም ዓመፀኛታት ካባይ ረሓቑ።
116
ብህይወት ክነብርስ፥ ከም ቃልካ ደግፈኒ፤ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።
117
ርድአኒ፤ ክድሕን ድማ እየ፤ ንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽምርምር እየ።
118
ድልየቶም ዓመፅ እዩ እሞ፥ ካብ ስርዓታትካ ንዝርሕቑ ዅሎም ኣሕሰርካዮም።
119
ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ፥ ከም ጐሓፍ ትጕሕፎም፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ፈተኹ።
120
ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።
121
ፍርድን ፅድቅን እገብር ኣለኹ፤ ንዘጨንቑኒ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።
122
ንባርያኻ ብሰናይ ሓልዎ፤ ዕቡያት ኣይዳፍኡኒ።
123
ኣዒንተይ ንምድሓንካን ንሓቀኛ ቓልካን ብምፅባይ ፈዘዛ።
124
ንኣይ ንባርያኻ ኸም ምሕረትካ ግበረለይ፤ ስርዓታትካ ኸዓ መሃረኒ።
125
ኣነ ባርያኻ እየ፤ ምስክርነትካ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ከስተውዕል ግበረኒ።
126
ንእግዚኣብሄር ጊዜ ስራሕ እዩ፤ ንሕግኻውን ሰዓርዎ።
127
ስለዙይ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፥ ካብ ፅሩይ ዕንቊ ኣብሊፀ ፈተኹ።
128
ስለዙይ ናብ ኵሉ ትእዛዝካ ኣምራሕኹ፤ ንዅሉ መንገዲ ዓመፅውን ፀላእኹ።
129
ምስክራትካ ዘደንቑ እዮም፤ ስለዙይ ነፍሰይ ትደልዮም።
130
ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤ ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።
131
ንትእዛዝካ ናፊቐ ኣለኹሞ፥ ኣፈይ ከፈትኩ፤ ሃረርውን በልኩ።
132
ከምቲ ነቶም ስምካ ዝፈትዉ እትገብሮ ፍርዲ፥ ናባይ ተመልከት፤ መሓረኒውን።
133
ኣካይዳይ ከምቲ ቓልካ ኣቕንዕ፤ ኵሉ ሓጢኣትውን ኣይግዝአኒ።
134
ትእዛዛትካ ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዝገፍዑኒ ሰባት ኣድሕነኒ።
135
ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ገፅካ ኣብርህ፤ ስርዓታትካ ኸዓ መሃረኒ።
136
ሕግኻ ኣይሓለኹንሞ፥ ንብዓተይ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ኣሎ።
137
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ፍርድኻውን ቅኑዕ እዩ።
138
ምስክርነትካ ብፅድቂ ኣዘዝካ፤ የመናውን ቅኑዕ እዩ።
139
ፀላእተይ ትእዛዝካ ስለ ዝረስዑ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ።
140
ቃልካ የመና ፅሩይ እዩ፤ ባርያኻውን ይፈትዎ።
141
ኣነ ንኡስን ንዑቕን እየ፤ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኹን።
142
ፅድቅኻ ናይ ዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤ ቃልካውን ሓቂ እዩ።
143
መከራን ሽግርን ረኸቡኒ፤ ትእዛዛትካ ግና ሓጐሰይ እዮም።
144
ምስክርነትካ ንዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤ ከስተውዕል ግበረኒ፤ ብህይወትውን ኣንብረኒ።
145
ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣለኹሞ ስምዐኒ፤ ስርዓታትካውን ክሕሉ እየ።
146
ናባኻ ኣእዌኹ፤ ኣድሕነኒ፤ ምስክርነትካውን ክሕሉ እየ።
147
ኣንጊሐ ኣእዌኹ፤ ንቓልካውን ተስፋ ገይረ ኣለኹ።
148
ቃልካ ምእንቲ ኸስተንትን፥ ኣዒንተይ ንምግስጋስ ቐደማ።
149
ኦ ጐይታ፥ ከም ምሕረትካ ቓለይ ስማዕ፤ ከም ፍርድኻውን ህያው ግበረኒ።
150
እቶም ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ቐረቡ፤ ካብ ሕግኻ ኸዓ ረሓቑ።
151
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ቐረባ ኢኻ፤ ኵሎም መንገድታትካውን ቅኑዓት እዮም።
152
ካብ ዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፥ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኻብ ምስክርነትካ ዝተልዓለ ፈለጥኩ።
153
ሕግኻ ኣይረሳዕኹን እሞ፥ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።
154
ፍርደይ ፍረድሞ ኣናግፈኒ፤ ስለ ቓልካውን ህያው ግበረኒ።
155
ስርዓትካ ኣይደለዩን ኢዮምሞ፥ ድሕነት ካብ ሓጥኣን ርሑቕ እዩ።
156
ኦ ጐይታ፥ ርህራሄኻ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
157
ዘሳጕጉንን ዘጨነቑንን ብዙሓት እዮም፤ ግና ኻብ ምስክርነትካ ድሕር ኣይበልኩን።
158
ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፥ ንሰነፋት ሪአ ሓዘንኩ።
159
ኦ ጐይታ፥ ንትእዛዛትካ ኸም ዝፈትዎ ረአ፤ ኦ ጐይታ፥ ብምሕረትካ ህያው ግበረኒ።
160
ናይ ቓልካ መጀመርታ ሓቂ እዩ፤ ኵሉ ፍርዲ ፅድቅኻውን ንዘለኣለም እዩ።
161
ገዛእቲ ብኸንቱ ኣሳጐጕኒ፤ ካብ ቓልካ ዝተልዓለ ግና ልበይ ደንገፀኒ።
162
ብዙሕ ምርኮ ኸም ዝረኸበ፥ ብቓልካ እሕጐስ ኣለኹ።
163
ንዓመፃ ፀላእኹ፤ ተፀየፍኩውን፤ ንሕግኻ ግና ኣፍቅሮ ኣለኹ።
164
ስለ እቲ ፍርዲ ፅድቅኻ፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ አመስግነካ ኣለኹ።
165
እቶም ንሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፤ ዘዕንቅፎምውን የለን።
166
ኦ ጐይታ፥ ምድሓንካ ተስፋ ገበርኩ፤ ንትእዛዛትካ ድማ ሓለኹ።
167
ነፍሰይ ንምስክርነትካ ትሕሉ ኣላ፤ የመናውን ትፈትዎ ኣላ።
168
ኵሉ መንገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፥ ትእዛዛትካን ምስክርነትካን እሕሉ ኣለኹ።
169
ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ናብ ቅድሜኻ ትብፃሕ፤ ከም ቃልካውን ምስትውዓል ሃበኒ።
170
ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ፤ ከም ቃልካውን ኣናግፈኒ።
171
ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፥ ከናፍረይ ምስጋና የውፅኣ።
172
ኵሉ ትእዛዛትካ ፅድቂ እዩ እሞ፥ ኣንደበተይ ቃልካ ተናገረ።
173
ንትእዛዛትካ መሪፀ ኣለኹሞ፥ ኢድካ ዘድሕነኒ ይኹን።
174
ኦ ጐይታ፥ ምድሓንካ እናፍቕ ኣለኹ፤ ሕግኻውን ሓጐሰይ እዩ።
175
ነፍሰይ ትንበረለይ፤ ክተመስግነካውን እያ፤ ፍርድታትካ ድማ ይርድአኒ።
176
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
← Chapter 118
Chapter 120 →