bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 118
Psalms 118
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፥ ሕያዋይ እዩሞ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
2
ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ህዝቢ እስራኤል ሕዚ ይንገሩ።
3
ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ቤት ኣሮን ሕዚ ይንገሩ።
4
ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ኵሎም እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሕዚ ይንገሩ።
5
ኣብ ጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኽዎ፤ ሰምዐኒ፤ ኣስፍሐለይውን።
6
እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብ እንታይ ክገብረኒ ይኽእል?
7
እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ክርኢ እየ።
8
ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ።
9
ብገዛእቲ ተስፋ ኻብ ምግባር፥ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ምግባር ይበልፅ።
10
ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፤ ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣሰነፍኩዎም።
11
ምኽባብስ ከበቡኒ፤ ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣሰነፍኩዎም።
12
ንህቢ ንመዓር ከም ዝኸብብ ከበቡኒ፤ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እሾኽ ከም ዝነድድ ነደዱ፤ ብስም እግዚኣብሄር ድማ ኣሰነፍኩዎም።
13
ደፋእኻኒ፥ ንኽወድቕውን ገድገድ በልኩ፤ እግዚኣብሄር ግና ሓገዘኒ።
14
ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሱውን መድሓኒየይ ኮነ።
15
ድምፂ ዕልልታን መድሓኒትን፥ ኣብ ድንኳን ፃድቃን እዩ፤ “የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ሓይሊ ገበረት።
16
የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ልዕል ልዕል ኣበለትኒ፤ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ሓይሊ ገበረት።”
17
ብህይወት ክነብር እየ እምበር፥ ኣይመውትን፤ ንስራሕ እግዚኣብሄር ከዓ ኽነግር እየ።
18
ምግሳፅስ እግዚኣብሄር ገሰፀኒ፤ ንሞት ግና ኣሕሊፉ ኣይሃበንን።
19
ብኣኣተን ኣትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፥ በርታት ፅድቂ ኽፈቱለይ።
20
እዚኣ ናይ እግዚኣብሄር ኣፍ ደገ እያ፤ ፃድቃንውን ናብኣ ይኣትዉ።
21
ስለ ዝሰማዕኻንን፥ መድሓኒየይውን ስለ ዝኾንካንን፥ አመስግነካ ኣለኹ።
22
እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ።
23
እዙይ ኻብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ።
24
እግዚኣብሄር ዝሰርሓ መዓልቲ እዚኣ እያ፤ ብኣኣ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና።
25
ኦ ጐይታ፥ በይዛኻ ሕዚ ኣድሕን፤ ኦ ጐይታ፥ በይዛኻ ኣቕንዐልና።
26
እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ባረኽናኩም።
27
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፤ ንሱውን ኣብርሀልና፤ ክሳዕ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፥ ነቲ መስዋእቲ በዓል ብገመድ ኣሰርዎ።
28
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ አመስግነካ ኣለኹ፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ እየ፤ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ፥ መድሓኒትውን ኴንካኒ ኢኻሞ አመስግነካ ኣለኹ።
29
ሰናይ እዩሞ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
← Chapter 117
Chapter 119 →