bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 115
Psalms 115
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንኣና ኣይኮነን፤ ንኣና ኣይኮነን፤ ግና ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ኢልካ፥ ንስምካ ምስጋና ሃብ።
2
ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ኣይበሉና።
3
ኣምላኽናስ ኣብ ላዕላይ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ዝደለዮ ይገብር።
4
ጣዖታት ኣህዛብ፥ ኢድ ሰብ ዝገበሮም፥ ስርሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።
5
ኣፍ ኣለዎም፤ ግና ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን።
6
እዝኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን፤ ኣፍንጫ ኣለዎም፤ ግና ኣየጫንዉን።
7
ኢድ ኣለዎም፤ ግና ኣይድህስሱን፤ እግሪ ኣለዎም፤ ግና ኣይኸዱን፤ ብጐረሮኦም ድማ ኣይናገሩን።
8
ኵሎም ዝሰርሑዎምን ዝእመንዎምን፥ ከምኣቶም ይኹኑ።
9
ቤት እስራኤል፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
10
ቤት ኣሮን፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
11
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
12
እግዚኣብሄር ዘከረና፤ ይባርኸናውን እዩ፤ ንቤት እስራኤል ድማ ኽባርኾም እዩ፤ ንቤት ኣሮንውን ክባርኾም እዩ።
13
ንዅሎም እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ክባርኾም እዩ።
14
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ደቅኹምን ይወስኽ።
15
ንስኻትኩም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ እግዚኣብሄር ቡሩኻቱ ኢኹም።
16
ናይ ሰማያት ሰማይ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃበ።
17
ኦ ጐይታ፥ ምዉታት ዘመስግኑኻ ኣይኮኑን፤ ኵላቶም ናብ ሲኦል ዝወርዱውን ከምኡ።
18
ንሕና ግና ኻብ ሕዚ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ንእግዚኣብሄር ክንባርኾ ኢና። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 114
Chapter 116 →