bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 116
Psalms 116
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ።
2
እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ።
3
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ።
4
ሽዑ ኣነ፦ “ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና” ኢለ፥ ስም እግዚኣብሄር ፀዋዕኹ፤
5
እግዚኣብሄር መሓርን ፃድቕን እዩ፤ ኣምላኽናውን ይቕረ በሃላይ እዩ።
6
እግዚኣብሄር ንህፃናት ይሕልዎም፤ ተሸገርኩ፤ ንሱውን ኣድሓነኒ።
7
እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፥ ኦ ነፍሰይ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
8
ንነፍሰይ ካብ ሞት፥ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፥ ነእጋረይ ካብ ምንድልሃፅ ኣድሒንካየን ኢኻሞ።
9
ኣነውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክነብር እየ።
10
ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተናገርኩ፤ ኣነውን የመና ተጨነቕኩ።
11
ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ በልኩ።
12
ክንዲ እቲ ዅሉ ንኣይ ዝገበረለይ፥ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክመልሰሉ እየ?
13
ናይ ምድሓን ፅዋዕ ክቕበል እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።
14
ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፥ መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ።
15
ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።
16
ኦ ጐይታ፥ ኣነ ባርያኻ እየ፤ ኣነ ባርያኻ ወዲ ኣንስተይቲ ባርያኻ እየ፤ መዋቕሐይ ሰበርካ።
17
ንኣኻ መስዋእቲ ምስጋና ኽስውአልካ እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።
18
ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብ ኣደባባይ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኦ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸልኪውን። መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 115
Chapter 117 →