bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 112
Psalms 112
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ንትእዛዛቱውን ዝሕሉ ሰብ የመና ብፁእ እዩ።
2
ዘርኡ ኣብ ምድሪ ፅኑዕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ ፃድቃን ክባረኹ እዮም።
3
ክብርን ሃብትን ኣብ ገዛኡ እዩ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።
4
ንቕኑዓት ኣብ ፀልማት ብርሃን ወፀ፤ መሓርን ይቕረ በሃላይን ፃድቕውን እዩ።
5
ሕያዋይ ሰብ ይርህርህን የለቅሕን፤ ንነገሩ ብፍትሒ ይፍፅሞ።
6
ንዘለኣለምውን ኣይህወኽን፤ መዘከርታ ፃድቕ ንዘለኣለም ይነብር።
7
ካብ ክፉእ ነገርውን ኣይፈርሕን፤ ብእግዚኣብሄር ንምእማን ልቡ ፅኑዕ እዩ።
8
ትምኒቱ ኣብ ፀላእቱ ኽሳዕ ዝርኢ፥ ልቡ ተባዕ እዩ፤ ኣይፈርሕን።
9
በተነ ንድኻታትውን ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር፤ ቀርኑውን ብኽብሪ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
10
ሓጥእ ነዙይ ሪኡ ይቝጣዕ፤ ኣስናኑ ይሕርቕም፤ ይመክኽውን፤ ትምኒት ሓጥኣንውን ትጠፍእ።
← Chapter 111
Chapter 113 →