bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 109
Psalms 109
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ፥ ንልመናይ ሸለል ኣይትበል።
2
ኣፍ ሓጥእን ኣፍ ዓማፅን ኣብ ልዕለይ ተኸፊቶም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕለይውን ብሓሰት ኣንደበት ተዛረቡ።
3
ብቓል ፅልኢ ኸበቡኒ፤ ብኸንቱውን ተዋግኡኒ።
4
ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተፃረሩኒ፤ ኣነ ግና እፅሊ ኣለኹ።
5
ክንዲ ሰናይ ክፉእ፥ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ከዓ ፅልኢ ፈደዩኒ።
6
ኣብ ልዕሊኡ ሓጢኣተኛ ሹም፤ ሰይጣንውን ኣብ የማኑ ይቑም።
7
ኣብ ዝማጐተሉ ጊዜውን ተረቲዑ ይውፃእ፤ ፀሎቱውን ሓጢኣት ትኹኖ።
8
መዋዕሉውን ውሑዳት ይኹና፤ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።
9
ውሉዱ ደኽታማት ይኹኑ፤ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።
10
ደቁ ኸርተት ይበሉ፤ ለማኖውን ይኹኑ፤ ካብ ኣባይቶምውን ይስጐጕዎም።
11
ንዅሉ ገንዘቡ በዓል ዕዳ ይውረሮ፤ ንዅሉ ዝደኸመሉውን ባዕዲ ይዝመቶ።
12
ዝረድኦውን ኣይርከብ፤ ንደኽታማት ደቁ ዝርህርሀሎም ኣይሃሉ።
13
ደቁ ይጥፍኡ፤ ብሓደ ትውልዲ ስሙ ይደምሰስ።
14
በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትዘከር፤ ሓጢኣት እኖኡ ኸዓ ኣይደምሰስ።
15
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ይሃሉ፤ መዘከርታኡውን ካብ ምድሪ ይጥፋእ።
16
ምሕረት ክገብር ኣይሓሰበንሞ፤ ንሽግረኛን ንምስኪንን ሰጐጐ፤ ልቡ ንዝተሰብሮ ሰብ ንምቕታልውን ልቡ ጨካን እዩ።
17
ንመርገም ፈተዋ፤ ናብኡ ድማ መፀት፤ ንበረኸት ኣይመረፃን፤ ካብኡ ድማ ረሓቐት።
18
ንመርገም ከም ክዳን ተኸደና፤ ከም ማይ ናብ መዓንጣኡ፥ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕፅምቱ ሰረፀት።
19
ከምቲ ዝውንዘፎ ልብስን፥ ከምቲ ዅልሻዕ ዝዕጠቖ ቅናትን ይኹኖ።
20
እዝ ግብሪ እዙይ ኣብቶም ምስ እግዚኣብሄር ዘፃልኡኒ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሰይውን ክፉእ ዝናገሩ እዩ።
21
ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ምእንቲ ስምካ ኢልካ፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕልይ ግበር፤ ምሕረትካ ሰናይ እዩሞ ኣድሕነኒ።
22
ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ እሞ፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀኒ።
23
ከም ዝሓለፈ ፅላሎት ሃለቕኩ፤ ከም ኣንበጣውን ረገፍኩ።
24
ኣብራኸይ ብፆም ደኸማ፤ ስጋይውን ቅብኣት ብምስኣን ዓበረ።
25
ኣነ ኸዓ መላገፂኦም ኮንኩ፤ እንትሪኡኒውን ርእሶም ይንቕንቑ።
26
ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ርድአኒ፤ ከም መጠን ምሕረትካውን ኣድሕነኒ።
27
ኦ ጐይታ፥ እዚኣ ኢድካ ኸም ዝኾነት፥ ንስኻውን ነዙይ ከም ዝገበርካ ይፍለጡ።
28
ንሳቶም ይራገሙ፤ ንስኻ ግና ባርኽ፤ እቶም ኣባይ ዝለዓሉ፥ ይሕፈሩ፤ ባርያኻ ግና ይተሓጐስ።
29
እቶም ዘፃልኡኒ ሓፍረትን ውርደትን ይከደኑ፤ ንነውሮምውን ከም ነፀላ ይወንዘፍዎ።
30
ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ የመና ኸመስግኖ እየ፤ ኣብ ማእኸል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።
31
ካብቶም ንነፍሱ ዝዅንንዋ ምእንቲ ኸድሕና፥ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቖይሙ እዩ እሞ።
← Chapter 108
Chapter 110 →