bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 107
Psalms 107
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩሞ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩ እሞ ኣመስግንዎ።”
2
እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም፥ ካብ ኢድ ፀላኢውን ዘድሓኖም ይናገሩ።
3
ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፥ ካብ ሰሜንን ካብ ባሕርን ከካብ ሃገሩ ኣከቦም።
4
ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል በሉ፤ ናይቲ ዝነብሩሉ ኸተማውን መንገዲ ኣይረኸቡን።
5
ጠመዩ፤ ፀምኡውን፤ ነፍሶም ኣብ ልዕሊኣቶም ሃለቐት።
6
ሽዑ ምስ ጨነቆም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።
7
ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።
8
ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
9
ንሱ ንዝጠመየት ነፍሲ ኣፅጊቡ እዩሞ፤ ንዝዓረቐት ነፍሲውን ብበረኸት መሊኡ እዩሞ።
10
ገሊኣቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ዝተጨነቑ፥ ኣብ ውሽጢ ፀልማትን ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ነበሩ፤
11
ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝዓመፁ፥ ንምኽሪ ልዑልውን ስለ ዝነዓቑ፤
12
ልቦም ብድኻም ተዋረደ፤ ሓመሙ፤ ዝረድኦምውን ሰኣኑ።
13
ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ካብ መከራኦምውን ኣድሓኖም።
14
ካብ ፀልማትን ካብ ፅላሎት ሞትን ኣውፅኦም፤ መዋቕሖም ከዓ ሰባበረ።
15
ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።
16
ንሱ ነቲ ናይ ነሃስ በርታት ሰቢሩ እዩ እሞ፤ መሸጐር ሓፂናትውን ቈራሪፁ እዩ እሞ።
17
ስለ ዓመፃኣቶም ሰነፉ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ተሸገሩ።
18
ሰብነቶም ንዅሉ ምግቢ ተፀየፈት፤ ናብ ኣፍ ደገ ሞትውን ቀረቡ።
19
ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኣቶም ኣድሓኖም።
20
ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፤ ካብ መከራኣቶምውን ኣድሓኖም።
21
ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
22
መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።
23
ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዝወርዱ፥ ኣብ ብዙሕ ማያትውን ስራሖም ዝሰርሑ፥
24
ንሳቶም ስራሕ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ መዓሙቕ ዘሎ ዘደንቕ ተግባሩን ረአዩ።
25
ኣዘዘ፤ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ተስአ፤ ማዕበልውን ልዕል ልዕል በለ።
26
ናብ ሰማይ ይድይቡ፤ ናብ መዓሙቝ ኸዓ ይወርዱ፤ ነፍሶም ድማ ብመከራ መኸኸት።
27
ደንገፁ፤ ከም ሰካራምውን ሰንደልደል በሉ፤ ኵሉ ጥበቦምውን ተውሓጠ።
28
ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።
29
ነቲ ኣውሎ ነፋስ ፀጥ ኣበለ፤ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ።
30
ሃዲኡ እዩሞ ተሓጐሱ፤ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ መርሖም።
31
ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ።
32
ኣብ ማእኸል ጉባኤ ህዝቢ ልዕል ልዕል የብልዎ፤ ኣብ ባይቶ ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ።
33
ንኣፍላግ ምድረ በዳ፥ ንዓይኒ ማያት ከዓ ደረቕ ገበሮም።
34
ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።
35
ንምድረ በዳ ምውሓዝ ማይ፥ ንንቑፅ ምድሪ ኸዓ ዓይኒ ማይ ገበረ።
36
ኣብኡውን ንጥሙያት ኣስፈረ፤ ንሳቶም ከዓ ዝነብሩላ ኸተማ ሰርሑ።
37
ወይኒ እውን ተኸሉ፤ ገራሁውን ዘርኡ፤ ብዙሕ ምህርቲ እኽልውን ኣእተዉ።
38
ባረኾም፤ የመናውን በዝሑ፤ እንስሳኣቶምውን ኣየውሓደሎምን።
39
ንሳቶም ከዓ ብጭንቂ ብመከራ ብሓዘን ተሳቐዩ፤ እናወሓዱውን ከዱ።
40
ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቖምውን ሓሳር ኣፍሰሰ፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኸርተት ኣበሎም።
41
ነቲ ድኻውን ካብ ሽግሩ ረድኦ፤ ንወገናቱ ድማ ኸም መጓሰ ኣባጊዕ ኣብዝሖም።
42
ቅኑዓት ይርኣዩ፥ ደስውን ይበሎም፤ ኵላ ሓጢኣትውን ኣፋ ክትዓፁ እያ።
43
ነዙይ ዝሕልዎ ለባም መን እዩ? እግዚኣብሄር መሓሪ ኸም ዝኾነ ኸስተውዕል እዩ።
← Chapter 106
Chapter 108 →