bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 106
Psalms 106
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሃሌ ሉያ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ።
2
ንሓይሊ እግዚኣብሄር መን ክናገር ይኽእል? ንዅሉ ምስጋናኡኸ መን የስምዕ?
3
ኵልሻዕ ፍትሒ ዝሕልዉን ቅንዕና ዝገብሩን ዝተባረኹ እዮም።
4
ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ብሞገስ ዘክረና።
5
ብመድሓኒትካ ድማ ተመልከተና፤ ሰናይ ናይ እቶም ዝመረፅካዮም ምእንቲ ኽንርኢ፥ ብደስታ ህዝብኻውን ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽንሕበን።
6
ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፤ ዓመፅና፥ ክፉእውን ገበርና።
7
ኣቦታትና ኣብ ግብፂ እንተለዉ፥ ነቲ ዝገበርካዮ ዘደንቅ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ኣይሓሰብዎን፤ ብባሕሪ ኤርትራ ምስ ሓለፉ ዓመፁ።
8
ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
9
ንባሕሪ ኤርትራ ገሰፃ እሞ ነፀፈት፤ ከም ምድረ በዳ ብዓሚቝ መርሖም።
10
ካብ ኢድ ተፃረርቶም ድማ ኣድሓኖም፤ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ኣናገፎም።
11
ነቶም ዘሳጐጉዎም ግና ማይ ደፈኖም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
12
ሽዑ ብቓሉ ኣመኑ፤ ምስጋናኡውን ዘመሩሉ።
13
ቀልጢፎም ንስራሑ ረስዕዎ፤ ብምኽሩውን ኣይተዓገሱን።
14
ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ተመነዩ፤ ኣብ በረኻውን ንእግዚኣብሄር ተፈታተንዎ።
15
ንሱውን ዝለመንዎ ሃቦም፤ ግና ንነፍሶም ዕብራን ሰደደሎም።
16
ኣብቲ ሰፈር፥ ንሙሴን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐደሶ ኣሮንን ኣቘጥዕዎም።
17
ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፤ ንወገን ኣቤሮንውን ደፈነቶም።
18
ኣብ ማሕበሮምውን ሓዊ ነደደ፤ ነበልባል ንሓጥኣን ኣቃፀሎም።
19
ኣብ ኮሬብውን ምራኽ ሰርሑ፤ ነቲ ዝፈሰሰ ምስሊ ድማ ሰገዱ።
20
ንኽብሮምውን፥ ብምስሊ ሳዕሪ ዝበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።
21
ነቲ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፥ ንዘድሓኖም እግዚኣብሄር ረስዕዎ።
22
ንሱ ኣብ ምድሪ ኸም ዓበይቲ ተኣምራት፥ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸዓ ዘደንቕ ነገራት ዝገበረ እዩ።
23
ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
24
ነታ ፍትውቲ ምድሪ ነዓቕዋ፤ ብቓሉውን ኣይኣመኑን።
25
ኣብ ውሽጢ ድንኳኖም ኮይኖም ኣጕረምረሙ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይሰምዑን።
26
ኣብ ምድረ በዳ ኽድርብዮም፥ ንዘርኦምውን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክድርቢ፥ ናብ ዝተፈላለየ ሃገር ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢዱ ኣልዓለ።
28
ምስ ብዔል ፌጎርውን ተሓባበሩ፤ መስዋእቲ ምዉታትውን በልዑ።
29
ብግብርታቶም ኣቘጥዕዎ፤ መዓትውን ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ።
30
ሽዑ ፊንሃስ ተሲኡ ፈረዶም፤ እቲ መዓት ድማ ሓደገ።
31
እዙይ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ፥ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።
32
መሊሶም ኣብ ማይ መሪባ ኣቘጥዕዎ፤ ሙሴውን ካብኣቶም ዝተልዓለ ተቘጥዐ።
33
ንመንፈሱ ስለ ዘምረርዋ ድማ፥ ብኸናፍሩ ስንፍና ተዛረበ።
34
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፥ ንኣህዛብ ኣየጥፍእዎምን፤
35
እኳ ደኣ ምስ ኣህዛብ ተሓዋወሱ፤ ተግባራቶምውን ተምሃሩ።
36
ንጣዖታቶምውን ተገዝኡ፤ እዙይ ከዓ መፃወድያ ኾኖም።
37
ነወዳቶምን ነጓላቶምን ከዓ፥ ነጋንንቲ ሰውእዎም።
38
ናይ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን፥ ንፁህ ደም ኣፍሰሱ፤ ንጣዖታት ከነዓን ሰውእዎም፤ እታ ምድሪ እውን ብደም ረኸሰት።
39
ብተግባራቶም ረኸሱ፤ ብግብሮምውን ኣመንዘሩ።
40
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ነቶም ርስቱ ኸዓ ተፀየፎም።
41
ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ እቶም ፀላእቶም ድማ ገዝእዎም።
42
ፀላእቶምውን ኣሳቐይዎም፤ ኣብ ትሕቲ ኢዶም ከዓ ተዋረዱ።
43
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብዙሕ ጊዜ ኣድሓኖም፤ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ኣቘጥዕዎ፤ ብሓጢኣቶም ከዓ ተዋረዱ።
44
ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።
45
ምእንትኣቶም ኢሉ ቓል ኪዳኑ ዘከረ፤ ከም ብዝሒ ምሕረቱውን ራህርሀሎም።
46
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
47
ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብምስጋናኻውን ኽንምካሕስ፥ ኦ ጐይታ ኣምላኽና ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብውን ኣክበና።
48
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ይባረኽ፤ ኵሉ ህዝቢ እውን “ኣሜን” ይበል። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 105
Chapter 107 →