bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 105
Psalms 105
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱውን ንኣህዛብ ንገሩ።
2
ኣመስግኑ፤ ዘምሩሉ፤ ኵሉ ተኣምራቱውን ተናገሩ።
3
ብቅዱስ ስሙ ተመክሑ፤ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ልቢ ይተሓጐስ።
4
ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፥ ክትብርትዑ ኢኹም፤ ኵልሻዕውን ገፁ ድለዩ።
5
ኣቱም ዘርኢ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ኣብርሃም፥ ኣቱም ሕሩያቱ ውሉድ ያእቆብ፥ ዝገበሮ መስተንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን፥ ካብ ኣፉ ዝወፀ ፍርዱን ዘክሩ።
7
ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፤ ፍርዱውን ኣብ ኵሉ ምድሪ እዩ።
8
ናይ ዘለኣለም ኪዳኑን፥ እቲ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ዝኣዘዞ ቓሉን ዘከረ።
9
ነቲ ንኣብርሃም ዝገበሮን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓሎን፥
10
ንያእቆብ ስርዓት ክኸውን፥ ንእስራኤል ድማ ኺዳን ዘለኣለም ክኸውን ኣፅንዖ።
11
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ንኣኻ ምድሪ ከነዓን፥ ብፅሒት ርስትኻትኩም ክትኮነኩም ክህብ እየ።”
12
እዙይ ዝኾነ ንሳቶም ስደተኛታት፥ ብቝፅሪውን ውሑዳት ሰባት፥ እንተለዉ እዩ።
13
ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥ ካብ መንግስቲ እውን ናብ ካልእ ህዝቢ ሓለፉ።
14
“ነቶም ዝቐባእኽዎም ኣይትንክእዎም፤ ንነቢያተይ ድማ ኽፉእ ኣይትግበርዎም” ኢሉ፥ ሰብ፥ ግፍዒ ኽፍፅመሎም ኣይፈቐደን።
16
ምእንትኣቶም ንነገስታት ገሰፀ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጥሜት ኣምፅአ፤ ንዅሉ ሓይሊ እኽሊ ኣጥፍአ።
17
ቀቅድሚኣቶም ሰብ ለኣኸ፤ ዮሴፍ ንባርነት ተሸጠ።
18
ኣእጋሩ ብመቝሕ ደኸማ፤ ነፍሱውን ካብ መቝሕ ኣምለጠት።
19
ቃሉ ኽሳዕ ዝመፀሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ፈተኖ።
20
ንጉስ፥ ልኢኹ ፈትሖ፤ እቲ ሓለቓ ኣህዛብውን ኣፍትሖ።
21
ጐይታ ቤቱ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱውን ኣዛዚ ገበሮ።
22
ነሕሉቕ ከም ድላዩ ኽግስፅ፥ ነቶም መማኽርቱውን ጥበበኛታት ምእንቲ ኽገብሮም እዩ።
23
እስራኤል ናብ ግብፂ ኣተወ፤ ያእቆብውን ኣብ ምድሪ ካም ተቐመጠ።
24
ንህዝቡ የመና ኣብዝሖም፤ ካብ ፀላእቶምውን ኣበርትዖም።
25
ንህዝቡ ኽፀልእዎም፥ ንባሮቱ ኽተናዀልዎም ልቦም ለወጠ።
26
ንባርያኡ ንሙሴን ነቲ ዝሓረዮ ኣሮንን ለኣኸ።
27
ናይ ተኣምራቱ ምልክት ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ዘደንቕ ነገርውን ኣብ ምድሪ ካም ገበረ።
28
ፀልማት ሰደደ፤ ፀልመቶምውን፤ ንቓሉውን ዓመፁ።
29
ንማያቶም ናብ ደም ለወጠ፤ ንዓሳታቶም ከዓ ቐተለ።
30
ምድሮምን፥ ኣብያተ ነገስታቶምን ብጭንቍራዕ መልኡ።
31
ተናገረ፤ ዕስለ ፅንፅያን ቃርማን ናብ ወሰና ወሰኖም መፁ።
32
ንዝናሞም በረድ ገበሮ፤ ሓዊ ኣብ ምድሮም ተባርዐት።
33
ንወይኖምን ንበለሶምን ኣጥፍአ፤ ንዅሉ ኣእዋም ዓዶምውን ሰባበረ።
34
ተናገረ እሞ፥ ስፍሪ ቝፅሪ ዘይብሉ ኣንበጣን ኵብኵብታን መፀ፤
35
ንዅሉ ተኽልታት ሃገሮም በልዖ፤ ንዅሉ ፍረ ምድሮምውን በልዐ።
36
ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፥ ንዅሉ በዅሪ ሓይሎም ቀተለ።
37
ምስ ወርቅን ብሩርን ኣውፅኦም፤ ኣብ ማእኸል ነገዳቶም ደዌ ኣይነበረን።
38
ፈሪሖምዎም ነይሮም እዮምሞ፥ ብምውፃኦም ግብፂ ተሓጐሰት።
39
ደመና ንመጋረዲ ዘርግሐሎም፤ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርሀሎም ዘርግሐ።
40
ለመኑ ብርንሂጎታት ድማ ኣምፅአሎም፤ ብሕብስቲ ሰማይውን ኣፅገቦም።
41
ኰዅሒ ሰንጠቐ፤ ማያትውን ኣውሓዘ፤ ወሓይዝ ብበረኻ ኸዱ።
42
ነቲ ቕዱስ ቃሉን፥ ነቲ ባርያኡ ኣብርሃምን፥ ዘኪሩ እዩ እሞ።
43
ንህዝቡ ብሓጐስ፥ ነቶም ዝተመረፁ ኸዓ ብዕልልታ ኣውፅኦም።
44
ሃገራት ኣህዛብውን ሃቦም፤ ንናይ ባዕዲ ድኻምውን ወረሱ።
45
ትእዛዛቱ ምእንቲ ኽሕልዉን፥ ሕጉውን ምእንቲ ኽፍፅሙን እዩ። ሃሌ ሉያ።
← Chapter 104
Chapter 106 →