bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 104
Psalms 104
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ንስኻ የመና ዓብዪ ኢኻ፤ ግርማን ክብርን ለበስካ።
2
ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፤ ንሰማይ ከም ድንኳን ዘርጋሕኻዮ፤
3
ንኣዳራሹ ብማያት ዝሓንፅ፥ ሰረገላኡ ኸዓ ደመና ዝገብር፥ ብኽንፊ ንፋስ ዝኸይድ፥
4
ንመላእኽቱ መንፈስ፥ ንኣገልገልቱ ሃልሃልታ ሓዊ ዝገብር፥
5
ንዘለኣለም ከይትናወፅ፥ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣፅንዓ።
6
ብመዓሙቕ ከም ክዳን ከደንካያ፤ ማያት ኣብ ልዕሊ እምባታት ይቖሙ፤
7
ካብ መግናሕትኻ ዝተልዓለ ይሃድሙ፤ ብድምፂ ነጐድጓድካ ይድንግፁ።
8
ናብ እምባታት ይድይቡ፤ ናብቲ ዘዳሎኻሎም ስፍራ ናብ ቈላታት ይወርዱ።
9
ተመሊሶም ንምድሪ ምእንቲ ኸይሽፍንዋስ፥ ከይሓልፍዎውን ወሰን ገበርካሎም።
10
ዓይኒ ማያት ናብ ቈላታት ይልእኽ፤ ብመንጎ እምባታት ማያት ይሓልፉ፤
11
ንዅሉ እንስሳ በረኻ ድማ የስትዩ፤ ኣእዱግ በረኻውን ፅምኣቶም የርውዩ።
12
ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብኣቶም ይሰፍራ፤ ኣብ ማእኸል ስንጣቕ እቲ እምኒ ድማ፥ ድምፀን የስምዓ።
13
ንእምባታት ካብ መዛግብትኻ ተስትዮም፥ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትፀግብ።
14
ካብ ምድሪ፥ እኽሊ ምእንቲ ኸውፅእ፥ እቲ ለምለምውን ንጥቕሚ ወዲ ሰብ፥ ንእንስሳ ድማ ሳዕሪ ተብቍል።
15
ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።
16
ኣእዋም እግዚኣብሄር፥ እቶም ንሱ ዝተኸሎም፥ ፅሕድታት ሊባኖስ ክፀግቡ እዮም።
17
ኣዕዋፍ ኣብኡ ይዋለዳ፤ ሰፈር ራዛውን ጐረቤታቶም እዩ።
18
ነዋሕቲ እምባታት ንዋልያታት፥ ኣኻውሕውን መዕቘብ ጊሐታት እዮም።
19
ንወርሒ መፍለዪ ጊዜታት ገበርካ፤ ፀሓይውን ዝዓርበሉ ይፈልጥ እዩ።
20
ፀልማት ተምፅእ፤ ለይቲውን ይኸውን፤ ኵሎም ኣራዊት በረኻ ብኡኡ ይወፁ።
21
ሽደናት ኣንበሳ ኽነጥቑ ይጓዝሙ፤ ምግቦም ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ይደልዩ።
22
ፀሓይ ምስ በረቐት ይእከቡ፤ ኣብ ጐጕድጓዶም ድማ ይድቅሱ።
23
ሰብ ናብ ተግባሩ ይወፍር፤ ክሳዕ ዝመሲ ድማ እናሰርሐ ይውዕል።
24
ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።
25
እዛ ባሕሪ እዚኣ ዓባይን ገፋሕን እያ፤ ኣብኡ ኸዓ ቝፅሪ ዘይብሎም ዓበይትን ኣናእሽቱን ዝንቐሳቐሱ እንስሳታት ኣለዉ።
26
ኣብኡውን መራኽብ ይኸዳ። እቲ ንስኻ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን፥ ኣብኡ ይፃወት።
27
እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦም፥ ንኣኻ ብተስፋ ይፅበዩ።
28
ምስ ሃብካዮም ይእከቡ፤ ኢድካ ትዝርግሕ፤ ካብ ፅቡቕ ነገር ድማ ይፀግቡ።
29
ንስኻ ገፅካ ምስ መለስካ ግና ይድንግፁ፤ እስትንፋሶም ተውፅእ እሞ ይሞቱ፤ ናብ መሬቶምውን ይምለሱ።
30
መንፈስካ ትልእኽ፥ ንሳቶምውን ይፍጠሩ፤ ንገፅ ምድሪ እውን ትሕድስ።
31
ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይኹን፤ እግዚኣብሄር ብስራሑ ደስ ይብሎ።
32
ንምድሪ ይጥምታ፤ ክትንቅጥቀጥውን ይገብር፤ ንእምባታት ይነኽኦም፤ ንሳቶምውን ይትክዩ።
33
ብህይወተይ እንተለኹ ንእግዚኣብሄር ክዝምር እየ፤ ብዝነብረሉ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
34
ቃለይ ንእኡ ይጥዓሞ፤ ኣነውን ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለኒ እዩ።
35
ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም፤ ዓመፀኛታትውን ደጊም ኣይህልዉን። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ሃሌ ሉያ።
← Chapter 103
Chapter 105 →