bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 103
Psalms 103
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
2
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ምስጋናኡውን ኣይትረስዒ፤
3
ንዅሉ ሓጢኣትኪ ይቕረ ዝብለልኪ፥ ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ፥
4
ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዘድሕና፥ ብምሕረቱን ብሕያዋይነቱን ዝኽልለኪ፤
5
ንድሌትኪ ብበረከቱ ዘፅግባ፥ ንንእስነትኪውን ከም ንስሪ ይሕድሳ።
6
እግዚኣብሄር ይቕረታ ዝገብር እዩ፤ ነቶም ዝተበደሉ ይፈርደሎም።
7
መንገድታቱ ንሙሴ፥ ግብርታቱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።
8
እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ።
9
ኵልሻዕ ኣይቐስፍን፤ ንዘለኣለምውን ኣይቝጣዕን እዩ።
10
ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይቀፅዐናን፤ ከም መጠን በደልናውን ኣይፈደየናን።
11
ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ ኣፅንዐ።
12
ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፥ ከምኡ ንበደልና ኻባና ኣርሓቖ።
13
ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።
14
ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።
15
ሰብ ዘመኑ ኸም ሳዕሪ እዩ፤ ከም ዕምበባ በረኻ ኸምኡ ይዕምብብ፤
16
ንፋስ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ነፈሰ ይሓልፍ እዩሞ፤ ቦታኡውን ኣይፈልጦን እዩሞ።
17
ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፤ ፅድቁ ኸዓ ኣብቶም ውሉድ ወለዶ እዩ።
18
ቃል ኪዳኑ ኣብ ዝሕልዉ፥ ትእዛዙውን ክፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝሓስቡ እዩ።
19
እግዚኣብሄር ንዙፋኑ ኣብ ሰማይ ኣዳለወ፤ መንግስቱውን ንዅሉ ይገዝእ።
20
ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21
ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኻትኩም፥ ኣቱም ፍቓዱ እትፍፅሙ ኣገልገልቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
22
ኣቱም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እትነብሩ፥ ኵልኻትኩም ፍጡራቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
← Chapter 102
Chapter 104 →