bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 102
Psalms 102
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብፃሕ።
2
ብመዓልቲ መከራይ ገፅካ ኻባይ ኣይትመልስ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣብ ዝፀዋዕኹኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ።
3
ዘመነይ ከም ትኪ በኒኑ ይውዳእ ኣሎ፤ ኣዕፅምተይውን ከም መሳወሪ ይነድድ ኣሎ።
4
ምብላዕ እኽሊ ተረሲዑኒ፤ ተገረፍኩ፤ ልበይውን ከም ሳዕሪ ፀምለወን ነቐፀን።
5
ካብ ድምፂ ገዓረይ ዝተልዓለ ስጋይ ምስ ኣዕፅምተይ ተጣበቐ።
6
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብር ኣባ ጕምባሕ መሰልኩ፤ ከምቲ ኣብ ዑና ዘሎ ጉጓውን ኮንኩ።
7
ተጋህኹ፤ ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዝሓድር ዒፍ ኮንኩ።
8
ፀላእተይ ኵሉ ጊዜ ይፀርፉኒ፤ እቶም ዘሳጕጉኒውን ኣብ ልዕለይ ተመሓሓሉለይ።
9
ሓመድ ከም እኽሊ ቝሒመ ኣለኹሞ፤ ንመስተይውን ምስ ንብዓተይ አሓዋውሶ ኣለኹሞ።
10
ካብ ቍጥዓኻን ካብ መዓትካን ዝተልዓለ ኣልዒልካ ደርበኻኒ።
11
ዘመነይ ከም ፅላሎት ሓለፈ፤ ኣነውን ከም ሳዕሪ ነቒፀ ኣለኹ።
12
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፤ መዘከርታኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
13
ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ንፅዮንውን ይቕረ በለላ፤ ናይ ምሕረታ እዋን እዩ እሞ፤ እቲ ዘመናውን በፂሑ እዩ።
14
ኣገልገልትኻ ነእማና ፈትዮም እዮምሞ፥ ንመሬታውን ሓዚኖም እዮምሞ።
15
ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንስምካ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ እውን ንኽብርኻ ኽፈርሑ እዮም።
16
እግዚኣብሄር ንፅዮን ክሓንፃ እዩ እሞ፤ ብኽብሩውን ኽግለፅ እዩ።
17
ንሱ ናብ ፀሎት ፅጉማት ተመልከተ፤ ልመናኦምውን ኣይነዓቐን።
18
ንቕድሚት ዝፍጠር ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸመስግኖ፥ እዙይ ንመፃኢ ትውልዲ ይፀሓፍ፤
19
“እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኻብ መቕደሱ ኾይኑ ጠሚቱ እዩ እሞ፤ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናብ ምድሪ እውን ተመልከተ፤
20
ንብኽያት እሱራት ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ ምእንቲ ኸድሕኖምውን እዩ።”
21
ስለዙይ ስም እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ምስጋናኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ክናገሩ፥ ኣህዛብ ብሓድነት ምስ ተኣከቡ፥ መንግስታትውን ንእግዚኣብሄር ክግዝኡ እዮም።
23
ብሓይሉ ጐደና መለሰሎም፤ ምውሓድ ዘመነይ ንገረኒ።
24
ኣብ ፍርቂ ዕድመይ ኣይትውሰደኒ፤ ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እየን።
25
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ንምድሪ መስረትካ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
26
ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ኵሎም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ከም መጐናፀፍያ ክትልውጦም ኢኻ፤ ክልወጡውን እዮም።
27
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳኣን እየን።
28
ደቂ ኣገልገልትኻ ኽነብሩ እዮም፤ ዘርኦምውን ንዘለኣለም ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
← Chapter 101
Chapter 103 →