bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 11
Psalms 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣነ ኣብ እግዚኣብሄር ተዓቚበ ኣለኹ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንነፍሰይ ከም ዒፍ ናብ እምባታት፥ ብረሪ ትብልዋ ኣለኹም?
2
“ንቕኑዓት ልቢ ብስውር ምእንቲ ኽወግእዎም፥ እንሆ ኽፉኣት ሰባት ቀስቶም ገቲሮም፥ ንፍላፃኦምውን ኣብ መንትግ ኣዳልዮም ኣለዉ።
3
ነቲ ንስኻ ዝሰራዕኻዮ ንሳቶም ኣፍረሱ፤ ፃድቕከ እንታይ ገበረ?”
4
እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዙፋኑ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣዒንቱ ናብ ድኻ ይጥምታ፤ ቀራንብቱውን ንደቂ ሰብ ይምርምራ።
5
እግዚኣብሄር ንፃድቕን ንሓጥእን ይምርምር፤ ንዓመፅ ዝፈትዋ ግና ንነፍሱ ፀልኣ።
6
መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤ ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።
7
እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩሞ፥ ፅድቂ ኸዓ ይፈቱ፤ ቅንዕና ግና ንገፁ ትሪኦ።
← Chapter 10
Chapter 12 →